መቐለ —
ኣብ ክልል ትግራይ ንዝካየድ ምርጫ ምዝገባ መርፅቲ ሎማዓንቲ ተጀሚሩ::
ንሸሞንተ መዓልታት ዝፀንሕ'ዚ ምዝገባ ልዕሊ 2.6 ሚልዮን መረፅቲ ክምዝገቡ ትፅቢት ከምዝግበር ኮምሽን ምርጫ እቲ ክልል ኣፍሊጡ::
ኣብቲ ምዝገባ ቫይረስኮረና ከመይ ይከላኸሉ ኣለዉ: ከይዲ እቲ ምርጫ እንታይ ይመስል ዝብል ኮምሽን ምርጫ: ኣፈፀምቲ ምርጫን መረፅትን ኣዘራሪብና ኣለና::
ብተወሳኺ ድማ እቲ ምርጫ ክካየድ የብሉን ቅድሚ ኹሉ ምክልኻል ኮረና ይግባእ ዝብል ቅዋም ዘለዎ እውን ሓቲትና ኣለና::