ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ክልል ትግራይ ንዘሎ ግጭት ብምቅዋም ዝተኻየደ ሰልፍታት


ኣብ ትግራይ ይካየድ ዘሎ ኵናት ጠጠው ክብልን ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ይወርድ ኣሎ ዝበሉዎ ዓፈናን ቅትለትን ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ጠጠው ከብሎ ዝፅውዑ ሰልፍታት ትማልን ሎምን ኣብዝተፈላለዩ ከተማታት ሃገራት ዓለም ተኻየዶም።

ትማሊ ሶኑይ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ ሕቡራት ዓረብ ኢማራት ተኣኪቦም ዓረብ ኢማራት ብሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ኣብቲ ኵናት ትሳተፍ ኣላ ክብሉ ብምኽሳስ ናይ ተቓውሞ ድምፆም ኣስሚዖም ኣለው።

ብተመሳሳሊ ትማሊ ሶኑይ ኣብ ከተማ ሎስ ኣንጀለስ ሎሚ ሰሉስ ድማ ኣብ እስራኤል ከተማ ቴልኣቪቭ ናይ ተቓውሞ ድምፆም ኣስሚዖም ኣለው።

XS
SM
MD
LG