ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ክልል ትግራይ ነበርቲ ማይሓንሰን ነበርቲ ባሕሪ ጸባ ዋጅራትን፥ ክልላዊ መንግስቲ ጠለብና ኣይሰማዓናን ብዝብል ተቓውሞኦም ኣስሚዖም


ኣብ ክልል ትግራይ ነበርቲ ማይሓንሰን ነበርቲ ባሕሪ ጸባ ዋጅራትን፥ ክልላዊ መንግስቲ ጠለብና ኣይሰማዓናን ብዝብል ናብ ጽርግያታት ብምውጻእ ተቓውሞኦም ኣስሚዖም።

ነበርቲ ከተማ ማይ ሓንሰ፥ ማእኽል ወረዳ ኣስገደ ክንኸውን ይግባእ ብምባል ንመስመር ሽረ እንዳስላሴ- ደደቢት፡ ን11 መዓልታት ዓፅዮም::

ምምሕዳር ወረዳ ኣስገደ ብወገኑ ማእኸል ወረዳ ክኸውን ዝውስን ቤትምኽሪ እዩ በዚ ድማ እቲ ባይቶ ክሳድ ጋባ ማእከል ክትኸውን ብብዝሒ ድምጺ ወሲኑ እዩ ኢሉ::

ብተመሳሳሊ ኣብቲ ክልል ወጀራት እውን ከተማ ባሕሪ ፀባ ማእኸል ወረዳ ክትኸውን ኣለዋ ብምባል ብቕድሚ ትማሊ ቀዳም ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም ኔሮም::

ርእይትኦም ዝሃቡና ነበርቲ ከምዝሓበርዎ ሕቶና ማእኸል ወረዳ ምዃን እናሃለወ ፖለቲካዊን ዓመፅን ተገይሩ ይግለፅ ዘሎ ዘይትኽክልን ፀለመን እዩ እዩ ኢሎም ኣለዉ ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ።


XS
SM
MD
LG