ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ክልል ትግራይ ቫይረስ ኮሮና ንምክልኻል ይግበር ዘሎ ቅድመ ምድላዋት


ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ክልል ትግራይ በቲ ቫይረሱ ዝጥቅዑ ሰባት ተፈልዮም ዝሕከምሉ ቦታ ኣቐዲሙ ከምዘዳለወ ሓቢሩ’ሎ::

ኣብ ክልል ትግራይ ክሳብ ሐዚ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዘ ሰብ ከምዘየለ ዝገለፀ እቲ ቢሮ: ሓሙሽተ በቲ ሕማም ዝተጠርጠሩ ሰባት ምርመራ ተኻይድሎም ካብ ኮሮና ነፃ ኮይኖም ምጽንሖም ኣፍሊጡ’ሎ::

ምክትል ሓላፊ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ክልል ትግራይ ዶክተር ርእየ ኢሳያስ ንድምፂ ኣሜሪካ ከምዝተዛረብዎ: ኮረና ቫይረስ ንምክልኻል ብብርኪ ክልል ኮሚቴ ተጣይሱ ይስራሕ ከምዘሎ:ናብቲ ክልል ዝኣትው ካብቲ ቫይረስ ዝተርኣየለን ሃገራት ዝኾኑ ተጓዓዝቲ ስራሓት ምምማይን ጥቡቕ ክትትል ከምዝካየደሎም ተዛሪቦም::

ኣብ ከተማ መቐለ በቲ ቫይረስ ንዝተጠቕዑ ሰባት ዝሕከምሉ ማእኸል ኣቐዲሙ ከምዝተዳለወ ዶክተር ርእየ ዝገለፁ ኮይኖም ኣብ ቐረባ እዋን ድማ ኣብ ከተማታት ሽረ እንዳስላሰን ሑማራን ተመሳሳሊ ማእኸል ክዳለው እዩ ኢሎም:: ብምኽንያት እቲ ቫይረስ ምስንባድ ይረአ ኣሎ ዝበሉ እቶም ምክትል ሓላፊ ቢሮ እኹል ጥንቃቐን ክትትል ብምግባር እቲ ቫይረስ ምክልኻል ይከኣል ክብሉ ገሊፆም::

ሕብረተሰብ ድማ ካብ ቢሮ ጥዕና: ሚንስትር ሓለዋ ጥዕናን ውድብ ጥዕና ዓለምን ዘሕልፍዎም መልእኽትታት ተኸታቲልኻ ኣብ ተግባር ምውዓል ይግባእ ኢሎም::

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ኣብ ክልል ትግራይ ቫይረስ ኮሮና ንምክልኻል ይግበር ዘሎ ቅድመ ምድላዋት
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:41 0:00


XS
SM
MD
LG