ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ክልል ትግራይ ብዝተኻየደ ደብዳብ ነፈርቲ 17 ሰባት ምሟቶም ሮይተርስ ሓቢሩ


ትማሊ ሶኑይ ኣብ ክልል ትግራይ ከተማ ማይ ፀብሪ ብዝተፈፀመ ደብዳብ ነፋሪት መብዛሕቲአን ደቂ ኣንስትዮ ዝኾና ብውሑዱ 17 ሰባት ምሟቶምን ካልኦት ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ምቑሳሎም ንከባቢያዊ ሰበስልጣንን መሰኻኽር ዓይኒን ዝጠቐሱ ክልተ ሰራሕተኛታት ረድኤት ገሊፆም ክብል ሮይተርስ ፀብፂቡ። ።

ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ ክልል ትግራይ ተመዛበልቲ ኣብ ዝተዓቖቡሉ ካምፕ ብዝተፈፀመ ደብዳብ ነፋሪት ህፃናት ዝርከቡዎም 56 ሰባት ምስ ምሟቶምን ካልኦት 30 ሰባት ምቁሳሎምን ይፈልጥ።ፕረዚደንት ጆ ባይደን ብደብዳብ ነፈርቲ ኣብ ልዕሊ ስቪላት ይወርድ ዘሎ ሞትን ስቓይን ንቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ትማሊ ሶኑይ ስኽፍትኦም ገሊፆምሎም ኣለው።

ወሃቢ ቃል ሰራዊት ኢትዮጵያ ኮሎኔል ጌትነት ኣዳነን ወሃቢ ቃል መንግስቲ ለገሰ ቱሉን ኣብ ማይ ፀብሪ ንዝተፈፀመ ደብዳብ ነፋሪት ዝቐረበሎም ሕቶ ኣይመለሱን።

ብዝተኣሳሰረ ዜና ዋና ፀሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተረዝ ኣብ ክልል ትግራይ ተፈፂሞም ብዛዕባ ዝተባህሉ ደብዳብ ነፈርቲ ብዕምቆት ከምዘሻቐሎም ወሃቢ ቃሎም ስቴፈን ዱጃሪክ ትማሊ ሶኑይ ገሊፆም።እዚ 56 ሰባት ዝተቐትልሉ ደብዳብ ነፋሪት ብዝምልከት ካብዚ ዓለምለኸ ኣካል ዝተዋህበ ፈላማይ ርእይቶ እዩ።

XS
SM
MD
LG