ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ክልል ትግራይ ብዝተኻየደ ደብዳብ ነፈርቲ ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ሰባት ምሟቶም ናይ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ሓቢሮም


ኣብ ትግራይ ከተማ ቶጎጋ ትማሊ ሰሉስ ብዝተፈፀመ ደብዳብ ነፋሪት ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ሰባት ከምዝተቐትሉ ፀብፃባት ዜናን መሰኻኽር ዓይንን ገሊፆም።

መሰኻኽር ከምዝበሉዎ ሓንቲ ነፋሪት ከባቢ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ዕዳጋ ቦምብ ደርቢያ ኣላ።

ወታሃደራት ኢትዮጵያ ኣምቡላንሳት ናብቲ ከባቢ ከይኸዳ ምኽልካሎም ሰራሕተኛታት ጥዕና ገሊፆም ኣለው።ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ወታሃደራዊ ወሃቢ ቃል ኮሎኔል ጌትነት ኣዳነ ነቲ ክሲ ብተዘዋዋሪ ከምዝመለሱዎ ፀብፂቡ ኣሎ።

እቶም ኮሎኔል ነቲ መጥቓዕቲ ኣየረጋገፁን ወይ ኣሉታዊ መልሲ'ውን ኣይሃቡን። ደብዳብ ነፈርቲ ስሩዕ ወታሃደራዊ ስልቲ እዩ፤ሰራዊት ድማ ንስቪላት ዒላማ ኣይገብርን ክብሉ መሊሶም።

ነበርቲ ግን ትማሊ ሰሉስ ኣብ ቀረባ መዓልታት ብኣንፈት ሰሜን ዋና ከተማ መቐለ ሓድሽ ውግእ ምጅማሩ ሓቢሮም።

ሰራዊት ኢትዮጵያ ንህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ(ህወሓት)ካብ ስልጣን ንምውራድ ኣብ ሕዳር መጥቓዕቲ ካብ ዝፍኑ ትግራይ ኣብ ግጭት ጥሒላ ትርከብ።ሰራዊት ኤርትራ ኣንፃር ህወሓት ይዋግኡ ንዘለው ወታሃደራት ኢትዮጵያ ክሕግዙዎም ፀኒሖም እዮም።

እቲ ውግእ ካብ ዝጅምር ብኣሽሓት ሰባት ተቐቲሎም ብሰንኪ እቲ ህውከት ኣስታት 2ሚሊዮን ሰባት ካብ መንበሪኦም ተመዛቢሎም ኣለው ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:;

(ገለ ምስሊታት ዘሰንብድ ትሕዝቶ ዘለዎም ምዃኑ ንሕብር )

XS
SM
MD
LG