ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ክልል ትግራይ ብዝተራእየ ሕማም ሸሮኽ(ኮሌራ) 13 ሰባት ምሕማሞም ተገሊጹ


ኣብ ክልል ትግራይ ካብ 25 ግንቦት 2011 ዓ.ም ጀሚሩ ብዝተረኣየ ሕማም ሸሮኽ(ኮሌራ) 13 ሰባት በቲ ሕማም ከምዝተታሓዙ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና እቲ ክልል ኣፍሊጡ::

በቲ ሕማም ዝተታሕዙ ኩላቶም ድሕሪ ዝተኻየደሎም ናይ ሕክምና ክትትል ድሒኖም ነናብ ገዝኦም ከምዝተመለሱ ዝገለፀ ቢሮ ጥዕና’ቲ ኽልል ነቲ ሕማም ንምኽልካል ካብ ዝካየዱ ስርሓት ብተወሳኺ እቲ ሕማም ምስ ዘጋጥም ኣገልግሎት ጥዕና ንምሃብ ኩሎም ትካላት ጥዕና መንግስቲ ድልዋት ክኾኑ ተሓቢርዎም ኣሎ ኢሉ::

25 ግንቦት 2011 ዓ.ም ኣብ ትግራይ ወረዳ ክልተ ኣውላዕሎ ለበዳ ሕማም ኮሌራ ከምዝተርኣየ ምክትል ሓላፊ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ኣቶ ተኽላይ ወልደማርያም ይዛረቡ:: ክሳብ ሐዚ በቲ ሕማም 13 ሰባት ከምዝተታሓዙ ዝገለፁ ኣይተ ተኽላይ በቲ ሕማን ግን ዝሞተ ሰብ የለን ኢሎም::

ኣቶ ተኽላይ ኣብ ትግራይ እቲ ሕማም ቅድሚ ሐዚ እውን ተራእዩ ስለዝነበረ ዳግም ኮሌራ ከይምለስ ስራሓት ምክልኻል ክኻየድ ጸኒሑ’ዩ ኢሎም:: ብፍላይ ፅሩይ ዝስተ ማይ ዘይረኸቡ ሰባት ማይ ኣጻርዮም ክጥቀሙ ግንዛበ ካብ ምፍጣር ብተወሳኺ ነቲ ማይ መጻረይ መድሓኒት ምክፍፋሉ ሓቢሮም:: ብተወሳኺ ምስ መራሕቲ ሃይማኖት ብምርድዳእ ኣብ ትግራይ ሰብ ብብዝሒ ኣብ ዝኸደለን 3 ቦታታት ማይ ፀሎት ሽቓቕ ከምዝተስርሐ፡ ሰብ ሞያ ሕክምና እውን ኣብቶም ናይ ፀበል ቦታታት ተመዲቦም ከምዘለው ገሊፆም::

ሕማም ኮሌራ ኣብ ዝተርኣየሎም እዞም 10 መዓልትታት ኣገልግሎት ሕክምና ካብ ዝተውሃበሎም ትካላት ሕክምና ሓደ ኣብ ከተማ መቐለ ዝርከብ መባእታዊ ሆስፒታል ዓዲሓቂ ሓደ እዩ:: እዚ ሆስፒታል ንሕማም ኮሌራ ንምሕካም ተባሂሉ ዝተፈለየ እዩ:: ሲስተር ነብያት ፀጋይ ኣብቲ ሆስፒታል ኣተሓባባሪት ሰብሞያ ነርስ’ያ። ንሳ ሰራሕተኛታት እቲ ትካል ኣብ ኮሌራ ጠሚቱ ስልጠና ከምዝተውሃቦም ትገልጽ:: “ዘድሊ መሳርሒ’ውን ተማሊኡ እዩ” ዝበለት ሲስተር ነብያት ኣብቲ ዝጎደለ ናይ ላብራቶሪ መሳርሒ ድማ ክማላእ ሓቲትና ኣለና ትብል::

ኮሌራ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ኣብ ኢትዮጵያ ተራእዩ ዝነበረ ሕማም ኮይኑ ኣፃዳፊ ማያዊ ውፃኣትን ተምላስን ብዝብል ሽም ከምዝጽዋዕ ይፍለጥ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ኣብ ክልል ትግራይ ብዝተራእየ ሕማም ሸሮኽ(ኮሌራ) 13 ሰባት ምሕማሞም ተገሊጹ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:05 0:00

XS
SM
MD
LG