ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ክልል ትግራይ ብሰንኪ ግጭት ልዕሊ 2 ሚልዮን ሰባት ካብ መነባብርኦም ምዝንባሎም ተገሊጹ


ኣብ ክልል ትግራይ ግጭት ካብ ዝልዓል ዳርጋ ኣስታት 2.2 ሚሊዮን ሰባት ካብ መነባብርኦም ምዝንባሎም: አባይቲ ፍርቂ ናይቶም ዝሃደሙ ድማ ምንዳዱ ሓደ ብዓል ስልጣን መንግስቲ ገሊፆም።

ኣብ ግዚያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ብፌደራል መንግስቲ ዝተሸሙ ላዕለዋይ ብዓል ስልጣን ዝኾኑ ገብረመስቀል ካሳ ነዚ ዝሓበሩ ብመንግስቲ ንዝውነን ትግርኛ ቴሌቪዥን ትማሊ ሶሉስ ኣብ ዝሃብዎ ቃል እዮም ።

እዚ ኣሃዝ እዚ ቅድም ክብል ናብ ጎረቤት ሃገራት ዝሃደሙ 50, 000 ሰባት ሓዊሱ ተገሚቱ ናይ ዝነበረ 950,000 ሰባት ተመዛበልቲ ልዕሊ ዕፅፊ እዩ።

ፌደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ውግእ ካብ ዝጅመር ናብ ክልል ትግራይ ምእታው ከልኪሉ እዩ።

ብዓል ስልጣን ሃገራዊ ኮሚሽን ምምሕዳር ሓደጋ ኢትዮጵያ ኣቶ ምትኩ ካሳ ሎሚ ንሮይተርስ ኣብ ዝ ሃብዎ ቃል እቲ ብምምሕዳር ክልል ትግራይ ዝተገለፀ ኣሃዝ ወግዓዊ ኣይኮነን ኢሎም።

ኣቶ ምትኩ ካሳ ከምዝበሉዎ ሓደ 110,000 ሰባት ኣብ ውሽጢ ክልል ትግራይ ምምዝባሎምን 1.8 ሚሊዮን ሰባት ድማ ሓገዝ ዘድልዮም እዮም ኢሎም።ብዝሒ ዝተመዛበሉ ካብዚ ንላዕሊ ክኸውን ከምዝኽእል እውን ተዛሪቦም።

XS
SM
MD
LG