‘ሕቡራት ሃገራት ንመዓልቲ ስደተኛታት ኣፍልጦ ኣብ ዝህበሉ ዕለት፣ ኣብ ትግራይ ዘለዋ ስድራ ቤታት ግና ካብ ውግእ ንክሃድማ ዝግደዳ፣ ብሰንኪ’ቲ ይቅጽል ዘሎ ውግእ ንሰፊሕ ማሕበራዊን ቁጠባዊን ጸገም ዝተቃለዓ ኮይነን ኣለዋ’ ትብል ናብ ሽረ ዝኣተወት ወኪል ድምጺ ኣሜሪካ ሂዘር ሙርዶክ።
ኣብ ናይ ሽረ ካምፕ ተፈናቀልቲ፣ ስድራ ቤታት ኣቅሑቶም ቅልጥፍ ቅልጥፍ እናበሉ ይኣስሩ ግን ክሳዕ ክንዲ’ቲ ብዙሕ ኣቁሑ ኣይሓዙን። ብሰንኪ ውግእ ካብ ከባቢኦም ክወጹ ከለው ንመብዛሕትኡ ኣቑሕቶም ገዲፎም እዮም ተፈናቂሎም።
ኣብ’ታ ከተማ ዘለው ወትሃደራት እንተኾኑ "እቶም ተፈናቐልቲ ተዓቑቦምሉ ዘለው ዩኒቨርስቲታት ክኽፈታ ኣለወን፣ እቶም ተፈናቀልቲ ብህጹጽ ክወጹ ኣለዎም" ይብሉ። ባጃጅ ብዝሓሰረ ዋጋ ሰባት ካብ’ታ ከተማ ናብ ቁሩብ ውጽእ ኢሉ ዘሎ መዓስከር ተፈናቀልቲ የመላልሳ። ሓንቲ ካብ’ተን ተፈናቀልቲ ኪዳን ወልደማርያም ከምዚ ትብል "ቅድሚ ሓደ ወርሒ ንክንወጽእ ነጊሮምና። ካብኡ ንዳሓር መዓልታዊ እናተመላለሱ ውጹ ይብሉና ኣለው። እቲ ናይ ሎሚ ፍልይ ዘብሎ ነገር ግና ሓይሊ ምጥቃም ምጅማሮም እዩ።"
ነቲ ስፍራ ዝራኣዩ ሰበ ስልጣን ሕቡራት ሃገራት ግና ይስራሕ ዘሎ ሓድሽ መዕቆቢ ተፈናቀልቲ ስለዘይተዛዘመ ካብ’ቲ ዩኒቨርስቲ ውጹ ምባል ርትዓዊ ኣይኮነን ይብሉ። ይኹንምበር፣ ኣብ’ቲ ከባቢ ንዝርከቡ ሓይልታት ዝብልዎ ተቀቢሎም እቶም ተፈናቀልቲ ንመምርሒ እቶም ወትሃደራት ንክትግብሩ ነጊሮምዎም እዮም።
ብደረጃ ዓለም ልዕሊ 80 ሚልዮን ሰባት ካብ መንበሪኦም ብሓይሊ ተፈናቂሎም ኣለው ተባሂሉ ይግመት። ኣስታት 60 ሚእታዊት ኣብ ውሽጢ ሃገሮም ዝሳቀዩን ብሰንኪ ውግእ ብተደጋጋሚ ንክሃድሙ ዝተገደዱ እዮም።
ኣብ ትግራይ፣ ብርክት ዝበላ ስድራ ቤታት ብሰንኪ ውግእ ተበታቲነን እየን። 2 ሚልዮን ተጋሩ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ተበቲኖም ልዕሊ 60 ሽሕ ድማ ዶብ ሰጊሮም ኣብ ሱዳን ኣዕቁቦም።
ተፈናቃሊት ኣደ ኣለም በላይ ከምዚ ትብል "ኣዝዮም ብዙሓት ሰባት ንሱዳን ተሰዲዶም እዮም። ኣነ ግና ነብሰ ጾር ስለዝነበርኩ ክሳዕ ክንድኡ ርሒቀ ክጓዓዝ ኣይካኣልኩን ነይረ። ኣነ ምስ ሃደምኩ ባዓል ቤተይ ተኣሲሩ፣ ጥሪትና ተዘሚተን" ትብል። ንሳ ወሲኻ ኣርባዕተ ቆልዑ ኣብ መዓስከር ምዕባይ ዘይሕሰብ ከምዝኾነ ብካልእ ወገን ንገዝኣ ምምላስ ፈጺምካ ዘይካኣል ከምዝኾነ ትዛረብ።
ኣብ ልዕሊ’ዚ ቃንዛ’ዚ፣ ቁጠባ’ቲ ከባቢ ተጎዲኡ ኣሎ። ከተማታት ብተፈናቀልቲ ኣዕለቅሊቆም፣ ሓረስቶት ኣይዘርኡን ኣእካል ይቦቅሉ የለውን። ተፈናቃላይ ሓረስታይ በላይ ኣበራ "ስቡሕ መሬት ዘለዎን መሸላ ዝዘርእን ሓረስታይ እየ ነይረ። ሎሚ ግን ቅድሚ ናይ ሕርሻ ወቅቲ ናብ’ዚ ተፈናቂለ፣ ጥራሕ ኢደይ ኣለኹ።"
ብመሰረት ሕቡራት ሃገራት ዝሃቦ ሓበሬታ፣ ብደረጃ ዓለም ብዝሒ ተገዲዶም ዝተፈናቀሉ ሰባት ኣብ’ዘን ዝሓለፋ ዓሰርተ ዓመታት ብዕጽፊ ወሲኹ ኣሎ። ኣብ ትግራይ’ውን ብተመሳሳሊ እቲ ዝዝሒ ይውስኽ ከምዘሎ ናይ’ቲ ከባቢ ሰባት ይዛረቡ።
አብ ትግራይ ዝሓለፈ ሕዳር ውግእ ዝተወለዐ ሰራዊት ህወሓት ንወትሃደራዊ መዓስከር ኣብ ትግራይ ድሕሪ ምጥቃዖምን ፌደራል ሰራዊት ወትሃደራዊ ግብረ መልሲ ድሕሪ ምሃቡን እዩ። ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ጎድኒ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኮይኖም ይዋግኡ፣ ክልቲኦም ሓይልታት ተሓባበርቲ ምልሻታት ኣዋፊሮም ኣለው። ኣብ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ህዝቢ መጠነ ሰፊሕ ስርቂ፣ ማህረምቲ፣ ጅምላዊ ቅትለትን ጾታዊ ምግሳስን ተፈጺሙ እዩ። ሰፊሕ ከባቢታት’ቲ ክልል ሓደጋ ጥምየት ኣንጸላልይዎ አሎ፣ ኣብ ገለ ከባቢታት ድማ ጥምየት ይራኣይ ጀሚሩ።
ሎሚ ሶኑይ ኣብ ኢትዮጵያ ሻድሻይ ሃገራዊ ምርጫ ተኻይዱ። ኣብ ትግራይ ግና ምርጫ ኣይካየድን። ድሕሪ ሸሞንተ ወርሒ ሰላም ዝወርደሉ ጸሎት ምቅራብ ግና ቀጺሉ ኣሎ።