ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ክልል ትግራይ ቁጽሪ ብቫይረስ ኮሮና ዝተታሕዙ ሰባት 52 ምብጽሑ ተገሊጹ


ኣብ ክልል ትግራይ ቑፅሪ ብቫይረስኮረና ዝተታሕዙ ሰባት 52 በፂሑ: ዝሞተ ድማ ሓደ ሰብ ተመዝጊቡ’ሎ:: ሎሚ ሶኑይ ቢሮ ጥዕና ክልል ትግራይ ዘውፀኦ ውፅኢት ምርመራቫይረስ ኮሮና ከምዘመላኽቶ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓት ኣብ 119 ኣብ ዝተኻየደ ምርመራ ኣርባዕተ ሰባት ቫይረስ ኮረና ተረኺብዎም ኣሎ:: እቲ ቫይረስ ካብ ተረኸቦም እቶም 3 ኣብ መቐለ ማእኸል መወሸቢ ዝነበሩ ኮይኖም እቲ 1 ድማ ኣብ ሰቲት ሑሞራ ዝነበረ ምዃኑ ተገሊፁ:: እቶም ሰለስተ ናብ ወፃኢ ናይ ጉዕዞ ታሪኽ ዝነበሮም ኮይኖም እቲሓደ ግና ናይ ወፃኢ ጉዕዞ ታሪኽ ይኹን ምስ ብኮረና ምስ ዝተትሓዘ ሰብ ዝተፈለጠ ርክብ ዘይነበሮ እዩ:: ኣብ ክልል ትግራይ ክሳብ ሐዚ 2,863 ኣብ ምርመራ ቫይረስ ኮሮናዝተገበረሎም ኮይኑ ካብቶም ዝተመርሩ ሰባት 52 ቫይረስ ኮሮና ተረኺብዎም እዩ፡፡

ቀዳም 22 ግንቦት 2012፡ ኣብ ክልል ትግራይ ብሰንኪ ሕማም ኮሮናቫይረስ ህይወት ሓደ ሰብ ሓሊፉ እዩ:: ካልኦት ሓሙሽተ በዚ ቫይረስ ሓሚሞም ዝነበሩ ሰባት ክሓውዩእንከለው፡ ዝተረፉ ድማ ኣብ ሕክምና ክትትል ይገብሩ ከምዘለዉ ተሓቢሩ::

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል::

ኣብ ክልል ትግራይ ቁጽሪ ብቫይረስ ኮሮና ዝተታሕዙ ሰባት 52 ምብጽሑ ተገሊጹ
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:20 0:00


XS
SM
MD
LG