ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ክልል ትግራይ ቁጽሪ ብቫይረስ ኮሮና ዝተሓዙ ሰባት ይውስኽ ምህላው ተገሊጹ


ቢሮ ሓለዋ ጥዕና እቲ ክልል ትግራይ ኣብ ሕብረተሰብ ብዘሎ ሸለልተኝነትን መንግስታዊ ኣብያተ ዕዮ ድማ ጠመተ ገይሮም ብዘይምስርሖም ቑፅሪ ብኮረና ቫይረስ ዝተታሕዙ ሰባት ይውስኽ ኣሎ ኢሉ::

ኣብ ዝሓለፉ 14 መዓልታት ጥራሕ በቲ ቫይረስ ልዕሊ 1500 ሰባት ተለኺፎም::

ኣብቲ ክልል ክሳብ ሐዚ 2527 ብቫይረስ ኮሮና ዝተታሕዙ ሰባት ምምዝጋቦም’ውን ተሓቢሩ’ሎ::

ቢሮ ጥዕና ክልል ትግራይ ሎሚ ዓርቢ ብዘውፀኦ ውፅኢት ምርመራ ቫይረስ ኮሮና ከምዘመላኽቶ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓት ዝተኻየደ ምርመራ 133 ሰባት ቫይረስ ኮረና ተረኺብዎም::

ዛጊድ ልዕሊ 38 ሽሕ ሰባት ምርመራ ተኻይድሎም 2527 በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ምምዝጋቦም ተረጋጊፁ::

ሓበሬታ እቲ ቢሮ ከምዘመላኽቶ ኣብ ውሽጢ 4 ኣዋርሕ በቲ ቫይረስ ዝተጠቕዑ ሰባት ቑፅሪ ከባቢ 1000 ዝነበረ ኮይኑ ካብ ባሕቲ ነሓሰ ጀሚሩ ግን ለበዳ እቲ ቫይረስ እናተጋደደ ይመፅእ ብምህላዉ ኣብ ውሽጢ 14 መዓልታት በቲ ቫይረስ ልዕሊ 1500 ሰባት ተለኺፎም::

በቲ ቫይረስ ኣብ ክልል ትግራይ ህይወት 15 ሰባት እውን ሓሊፉ ኣሎ::

ምክትል ሓላፊ እቲ ቢሮ ዶክተር ርእየ ኢሳያስ ለበዳ እቲ ቫይረስ ይጋደድ ዘሎ ግንዛበ ኣብ ሕብረተሰብ ዋላ እንተሃለወ ብኣግባቡ ብዘይምጥንቃቕን መንግስታዊ ኣብያተ ዕዮ እውን ግቡእ ጠመተ ሂቦም ብዘይምስርሖም እዩ ኢሎም::

ብተወሳኺ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ቑፅሮም ይውስኽ ዘሎ ናይ ምምርማር ዓቕሚ እቲ ክልል ብምውሳኹ እዩ ክብሉ ተዛሪቦም::

ኣብ ትግራይ በቲ ቫይረስ ካብ ዝተትሓዙ ሰባት 1105 ሰባት ድሒኖም ካብ ገዝኦም ከምዝተፋነዉ እውን ተሓቢሩ ኣሎ::

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ኣብ ክልል ትግራይ ቁጽሪ ብቫይረስ ኮሮና ዝተሓዙ ሰባት ይውስኽ ምህላው ተገሊጹ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:32 0:00


XS
SM
MD
LG