ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ክልል ትግራይ ቁጽሪ ብቫይረስ ኮሮና ዝተታሕዙ ሰባት 6 ምብጽሑ ተገሊጹ


ኣብ ክልል ትግራይ ቁጽሪ ብቫይረስ ኮረና ዝተትሓዙ ሰባት ሽዱሽተ ምብጽሖም ቢሮ ሓለዋ ጥዕና እቲ ክልል ኣፍሊጡ::

እቲ ቤት ጽሕፈት ብተወሳኺ ኩሎም በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ካብ ጅቡቲ ዝመፁ ምዃኖም ሓቢሩ'ሎ::

ትማሊ በቲ ቫይረስ ከምዝተትሓዙ ዝተረጋገፀ ክልተ ሰባት ኮይኖም ኣብ መወሸቢ ማእኸል ዝፀንሑ እዮም::

ካብ ጅቡቲ ዝመፁ ዘወርቲ መኪናን ሓገዝቶምን ንምክልኻል እቲ ቫይረስ ተባሂሉ ቅድሚ ናብ ከተማ መቐለ ምእታዎም ክውሸቡ ይግበር ኣሎ::

እቲ ቫይረስ ናብቲ ክልል ቅድሚ ምእታው እቶም ዘወርትን ሓገዝቶምን ንብረቶም ኣራጊፎም ይውሸቡ ምንባሮም ይፍለጥ::

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ::

ኣብ ክልል ትግራይ ቁጽሪ ብቫይረስ ኮሮና ዝተታሕዙ ሰባት 6 ምብጽሑ ተገሊጹ
please wait

No media source currently available

0:00 0:05:21 0:00


XS
SM
MD
LG