ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ክልል ትግራይ ቁጽሪ ብቫይረስኮሮና ዝተታሕዙ ሰባት 1137 ምብጽሑ ተገሊጹ


ሓላፊ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና እቲ ክልል ትግራይ ዶክተር ሓጎስ ጎድፋይ
ሓላፊ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና እቲ ክልል ትግራይ ዶክተር ሓጎስ ጎድፋይ

ኣብ ክልል ትግራይ ቁጽሪ ብቫይረስኮሮና ዝተታሕዙ ሰባት 1137 ምብጽሑ ተገሊጹ:: ካብ ቢሮ ጥዕና እቲ ክልል ዝተረኸበ ሓበሬታ ከምዘመላኽቶ ሓደ ሓኪም ሓዊሱ ብቫይረስኮሮና ህይወት 6 ሰባት ሓሊፉ ኣሎ: ኣብ ክልል ትግራይ ዛጊድ ልዕሊ 26,600 ሰባት ምርመራ ቫይረስኮረና ተኻይድሎም 1137 እቲ ቫይረስ ከምዝተረኸቦም ቢሮ ሓለዋ ጥዕና እቲ ክልል ገሊፁ ኣሎ::

በቲ ቫይረስ ህይወቶም ካብ ዝሓለፈ 6 ሰባት: ሓደ ካብኦም ወዲ 42 ዓመት ብዓል ሞያ ሕክምና ዶክተር ፍስሃዬ ኣለምሰገድ ምኻኑ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ትግራይ ገሊፁ ኣሎ:: ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣክሱም መምህር ጥዕና ሕብረተሰብ ዝነበረ ዶክተር ፍስሃየ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ናብ ኢትዮጵያ ድሕሪ ምእታዉ፡ ንቢሮ ጥዕና ክልል ትግራይ ኣብ ምክልኻል እቲ ለበዳ ልዑል ኣበርክቶ ክገብር ዝፀንሐ ሓኪም'ዩ::

ኣብ ክልል ትግራይ ምስፍሕፋሕ እቲ ቫይረስ ንምቁፅፃር ኣብ ኩለን ከተማታት እቲ ክልል መጎልበቢ ኣፍን ኣፍንጫ ማስክ ምጥቃም ግድን ምኻኑ ሓላፊ እቲ ቢሮ ዶክተር ሓጎስ ጎድፋይ ሓቢሮም:: ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙን ኣብቲ ክልል ልዕሊ 20 ሽሕ ሰባት ምርመራ ከምዝካየድ እውን ሓቢሮም:: ኣብ ትግራይ ካብቶም በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ እቶም 60 ሚእታዊት ኣብ ከተማ መቐለ ምኻኑ ዝሓበረ እቲ ቢሮ ቫይረስኮረና ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ዘስግእ ኩነታት ምህላዉ ኣፍሊጡ::

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ኣብ ክልል ትግራይ ቁጽሪ ብቫይረስኮሮና ዝተታሕዙ ሰባት 1137 ምብጽሑ ተገሊጹ
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:56 0:00


XS
SM
MD
LG