ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ክልል ትግራይ ምብጻሕ ሰብኣዊ ሓገዛት ካብ ዝሓለፈ ሰነ ጀሚሩ ምምሕያሹ ወሃቢ ቃል ሕ/ሃ ገሊጹ


"ምብጻሕ ሰብኣዊ ሓገዛት ኣብ ውሽጢ ትግራይ፣ ካብ ዝሓለፈ ሰነ ጀሚሩ ምምሕያሽ ከምዘርአየ፣ ካብ ትግራይን ናብ ትግራይን ዝግበሩ ምንቅስቃስ ግን ሎሚ’ውን ተዓጽዩ ከምዘሎ" ወሃቢ ቃል ሕቡራት ሃገራት ፈርሃን ሃቅ ገሊጹ።

ፈርሃን ሃቅ"እዚ ዝተጠቀሰ ጸገም፣ ንተኽእሎ ሰራሕተኛታት ረድኤት፣ ቀረባት ንምምላእ፣ ሰራሕተኛታተን ንምውዳብን ወፍሪ ረድኤት ቀጻሊ ንምግባርን ንዝግበር ጻዕሪታት ኣተዓናቂፉዎ ኣሎ" እውን ይብል ።

ኣብ ውሽጢ ትግራይ፣ ቅድሚ ሎሚ ፈጺሙ ምብጻሕ ይከኣል ናብ ዘይነበረ ስፍራታት ምብጻሕ ከምዝተካኣለ ወሃቢ ቃል ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ። ካብ 5.2 ሚልዮን ህዝቢ ናብ’ቶም 4 ሚልዮን፣ እዚ ማለት 75 ሚእታዊት ህዝቢ ትግራይ ምብጻሕ ተኻኢሉ'ሎ። እዚ ኣሃዝ’ዚ ኣብ ግንቦት 30 ሚእታዊት ጥራሕ እዩ ነይሩ።

እንተኾነ፣ ብዓፋር ዝሓልፍ ጽርግያ ናብ ትግራይ፣ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ሓይልታት ክልልን ፌደራልን ስለዝርከብ፣ ኣብ ውሽጢ ትግራይ ዘሎ ክዙን ረድኤት ይንኪ ከምዘሎ እቲ ዜና ይሕብር።

ድሕሪ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስምምዑ፣ ዕዉት ፈተነ በረራ ንረድኤት ሕቡራት ሃገራት ዝሓለፈ ቀዳም ከምዝተፈጸመ ዝዝከር እዩ። ስሩዕ በረራ ካብ ጽባሕ ረቡዕ ክቅጽል እዩ ዝብል ትጽቢት ኣሎ'ውን ኢሉ።

XS
SM
MD
LG