ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ክልል ትግራይ መጥቃዕቲ ድሮናት ቀጺሉ

ከተማ መቐለ
ከተማ መቐለ

ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ብተደጋጋሚ ንሲቪላዊ ዕላማታት ዝዓለመ መጥቃዕቲ ሰብ-ኣልቦ ነፈርቲ (ድሮናት) ይፍጽም ኣሎ ክብሉ ወሃብ-ቃል ህወሓት ኣይተ ጌታቸው ረዳ ብናይ ትዊተር ጽሑፍ ገሊጾም። ኣይተ ጌታቸው ከም ዝጠቐሱዎ፡ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ዳዕሮ-ሓፋሽ፡ ኣኽሱም፡ እንዳ’ባጉናን ሽረን በበይኑ መጥቃዕቲ ድሮናት ተኻዪዱ ህይወት ዓሰርተታት ሰላማውያን ዜጋታት ወሲዱ ኢሎም። ብተወሳኺ እቶም ወሃብ-ቃል ኣብዞም ዝተጠቕዑ ቦታታት ወተሃደራዊ ዒላማ የሎን ድሕሪ ምባል፡ እንተዀነ መርኣያ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ግንባራት ዝወርዶ ዘሎ ስዕረት’ዩ ኢሎም።

ካብ ፈደራላዊ መንግስቲ ብዛዕባ’ቲ መጥቃዕቲ ግብረ-መልሲ ንምርካብ ዝፈተንናዮ ኣይተዓወተን። ብሰንኪ ሕጽረት መጓዓዝያን ጸገማት መራኸቢታትን ድማ ናይ ትግራይ ወኪላትና ናብቲ ዝተጠቕሰ ቦታታት ብምጕዓዝ ከጻርዩን ዝርዝር ብዝሒ ግዳያትን ምዉታንን ክረጋግጹ ኣይከኣሉን።

This item is part of
XS
SM
MD
LG