ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ክልል ትግራይ መጥቃዕቲ ድሮናት ቀጺሉ


ከተማ መቐለ
ከተማ መቐለ

ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ብተደጋጋሚ ንሲቪላዊ ዕላማታት ዝዓለመ መጥቃዕቲ ሰብ-ኣልቦ ነፈርቲ (ድሮናት) ይፍጽም ኣሎ ክብሉ ወሃብ-ቃል ህወሓት ኣይተ ጌታቸው ረዳ ብናይ ትዊተር ጽሑፍ ገሊጾም። ኣይተ ጌታቸው ከም ዝጠቐሱዎ፡ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ዳዕሮ-ሓፋሽ፡ ኣኽሱም፡ እንዳ’ባጉናን ሽረን በበይኑ መጥቃዕቲ ድሮናት ተኻዪዱ ህይወት ዓሰርተታት ሰላማውያን ዜጋታት ወሲዱ ኢሎም። ብተወሳኺ እቶም ወሃብ-ቃል ኣብዞም ዝተጠቕዑ ቦታታት ወተሃደራዊ ዒላማ የሎን ድሕሪ ምባል፡ እንተዀነ መርኣያ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ግንባራት ዝወርዶ ዘሎ ስዕረት’ዩ ኢሎም።

ካብ ፈደራላዊ መንግስቲ ብዛዕባ’ቲ መጥቃዕቲ ግብረ-መልሲ ንምርካብ ዝፈተንናዮ ኣይተዓወተን። ብሰንኪ ሕጽረት መጓዓዝያን ጸገማት መራኸቢታትን ድማ ናይ ትግራይ ወኪላትና ናብቲ ዝተጠቕሰ ቦታታት ብምጕዓዝ ከጻርዩን ዝርዝር ብዝሒ ግዳያትን ምዉታንን ክረጋግጹ ኣይከኣሉን።

XS
SM
MD
LG