ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ክልል ትግራይ ሓድሽ ግጭት ምልዓሉ ኣብ ዝስመዓሉ እዋን ክደናጎይ ዝጸንሓ ሃገራዊ ምርጫ ኢትዮጵያ ተዛዚሙ


ኣብ ትግራይ ሓዱሽ ህውከት ምልዓሉ ይስመዓሉ ኣብ ዘለሉ እዋን ንሰለስተ ዓመት ኣብ ስልጣን ድሕሪ ምፅናሕ ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ኣብዪ ኣሕመድ ፈላማዮም ዝኾነ ሃገራዊ ምርጫ ተኻይዱ ቆፀራ ድምፂ ይካየድ ምህላዉ ሰበስልጣናት ኢትዮጵያ ይገልፁ ኣለዉ ።

ሰኑይ ቅድሚ ፀሓይ ምውፃኣ ኣቐዲሞም ነቲ ድሕሪ ሽዱሽተ ዓመታት ዝካየድ ዘሎ ምርጫ ድምፆም ንምሃብ ተሰሪዖም 'ዮም ። "ናፃን ፍትሓውን ምርጫ" ንምክያድ ፈላማይ ፈተነ ዝግበረሉ ምኳኑ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ተዛሪቦም ።

ተናኜ መላኩ ዝተባህለ መራጺት "ብሩህ መፃኢ ከምፀአልና ይኽእል እዩ ኢለ ዝኣመንኩሉ እየ ክመርፅ መፂኤ"ትብል።

ይኹን'ምበር ድሕሪ ፍርቂ መዓልቲ ግና ብዙሓት መረፅቲ ተስፋ ክቆርፁ ጀሚሮም። ናቁጣታት ምርጫ ድምፂ መውሃቢ ወረቀት ተወዲኡ ንሰዓታት ትዓፅዮም ፤ ገሊኦም ድማ ኣፈፀምቲ ምርጫ ተሳኢኖም ክኽፈቱ ኣይከኣሉን ።ኣብ መላእ እታ ሃገር ብሚልዮናት ዝቁፀሩ ድምፆም ክህቡ ይፅበዩ ነበሩ ።

ኤደን ሓጎስ ድማ ብዛዕባ ቲ መስርሕ ምርጫ ከምዚ ክትብል ርእይቶኣ ትህብ "ኣነ ብጣዕሚ እዩ ሰልቺዩኒ ። ምናልባት እውን ከይመረፅኩ ክኸይድ ይኸውን እየ ክልተ ደቀይ ኣብ ገዛ ገዲፈዮም እየ መፂኤ ።"

ንፅባሒትኡ ሰሉስ ምሸት ሰበስልጣናት ምርጫ ተኸፊቶም ዝፀንሑ ኩሎም ጣብያታት ምርጫ ምቅባል ወረቐት ምርጫ ጠጠው ምባኦም ተዛሪቦም ።

ካብቶም 547 መናብራት ቤት ምኽሪ ክልላት ምርጫ እቶም ሓደ ሕምሲት ዝኾኑ ኣየድመፁን ከምኡ'ውን ኣብ ክልል ኦሮምያ ክልተ ዓበይቲ ተወዳደርቲ ፖለቲካ ኣብቲ ምርጫ ኣይተሳተፉን ። ኣብ ሓደ ሓደ ከባቢታት ብምክንያት ፀጥታ እዋን ምርጫ ክናዋሕ ከሎ እቲ ንልዕሊ ሸውዓተ ኣዋርሕ ኲናት ዝካየደሉ ዘሎ ክልል ትግራይ ድማ መዓስ ምርጫ ከምዝካየድ'ውን ዝተታሕዘ ትልሚ የለን።

ኪያ ጸጋይ ብዛዕባ'ዚ ከምዚ ይብል::

"እዚ ህዝቢ ዝውክልዎ ተመረፅቲ ክህልዉዎ ግድን እዩ ። መሰሉ'ውን እዩ ። ዘይሩዘይሩ እዚ ህዝቢ እኮ ኣካል ኢትዮጵያ እዩ ብ ምዃኑ ተወከልቱ ኣብ ቤት ምኽሪ ፌደራል ክርኢ ይደሊ እዮ።"

ይኹን'ምበር እቶም 38 ካብ ትግራይ ክርከቡ ዝነበሩ መናብራት ቤት ምኽሪ ብዘይምምልኦም ንከይዲ ውፅኢት እቲ ምርጫ ዘተዓናቅፎ ኣይኮነን ። ውጽ ኢት ወግዓዊ ድሕሪ ምኳኑ መንግስቲ ክምስረት ይከኣል እዩ ዝብል እምነት ከምዘለዎ እዩ ይገልፅ ።

እቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ጎንፂ ንከባቢ 2 ሚልየን ሰባት ክመዛበሉን ብዓሰርተታት ኣሸሓት ዝቑፀሩ ድማ ዓዶም ገዲፎም ክስደዱ ምኽንያት ኮይኑ እዩ ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ኣብ ቀረባ መዓልታት ድማ ኣብቲ ኸባቢ ሓዱሽ ህውከት ምልዓሉ ፀብፃባት ይሕብሩ ። ሕብረት ኣፍሪቃ ንኽስታት ጅምላ ቅትለታትን ፆታዊ ዓመፃትን መርመራ ምጅማሩ ፤ ገበርቲ ሰናይ ትካላት ኣብ መብዛሕትኡ ከባቢታት እታ ክልል ህዝቢ ብጥምየት ይሳቀ ምህላዉ ይገልፁ ኣለዉ ።

ብሰኑይ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ "ኣብ ትግራይ ጥምየት የለን ኣብ ትግራይ ፀገም ተፈጢሩ ኣሎ መንግስቲ ድማ ከዐርዮ ይፍትን ኣሎ " ምባሎም ዝዝከር እዩ ። ይኹን 'ምበር ኣብታ ኲናት ዘይብላን ብቅልጡፍ እናዓበየት ትመፅእ ዘላ ከተማ ኣዲስ ኣበባ'ውን እንተኾነ ሓደ ሓደ ተመረፅቲ ካብቲ ዝቅፅል መንግስቲ ብዙሕ ትፅቢት ከምዝግበር ይዛረቡ ።

ተውፊቅ ዓብዱላሂ " ቁጠባዊ ፀገም እዩ ዘለና ። ብዓል ክልተ ኣሃዝ ዝቅባበ እዩ ዘለና ። ስራሕ ዝሰኣነ ብዙሕ መንእሰይ ኣሎ ። ቀፃልነት ዘለዎን ስርዓት ዝሓዘን ዕድላት ስራሕ ንምፍጣር ክንፅዕር ይግባእ ። ነዚ ድማ ኣብዛ ሃገር ሰላምን ምርግጋኣትን ክፍጠር ኣለዎ። "

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ድሕሪ ውፅኢት ምርጫ ወግዓዊ ምዃኑ ኣብ መዝነቶም ክቅፅሉ እዩ ትፅቢት ዝግበር ። መረፅቲ ድማ ልዕሊ ኹሉ ሰላም ፣ ምርግጋኣት ፀጥታን ናህሪ ዋጋ ክቅንስን እዩ ድልየቶም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል::



XS
SM
MD
LG