ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ክልል ትግራይ ልዕሊ 100 ሽሕ ቆልዑ ብሰንኪ ሕጽረት መግቢ ሓደጋ ሞት የንጸላልዎም ከምዘሎ ተሓቢሩ


ፋይል -ህጻናት ሓገዝ መግቢ ኣብ ከተማ መቐለ እንዳተጸበዩ.
ፋይል -ህጻናት ሓገዝ መግቢ ኣብ ከተማ መቐለ እንዳተጸበዩ.

ትካል ህጻናት ሕቡራት ሃገራት (ዩኒሴፍ ) ኣብ ክልል ትግራይ ቅድሚ ኣዋርሕ ብሰንኪ ስግኣት ጸጥታ ዘይኣትዎም ናብ ዝነበሩ ከባቢታት ሎሚ ምብጻሕ ከምዝካኣለ፣ እንተኾነ፣ ኣብ ልዕሊ ኩነተ ጥዕናን ድሕነትን ቆልዑ ሓዲርዎ ዝነበረ ስክፍታ ጋህዲ ኮይኑ ከምዝረኸቦ ኣፍሊጡ።

ብመሰረት ገምጋም'ቲ ትካል ኣስታት 100 ሽሕ ቆልዑ፣ ኣብ’ዘን ዝቅጽላ 12 ኣዋርሕ ብሰንኪ ጉድለት ምግብና ሓደጋ ሞት ከንጸላልዎም ይኽእል እዩ ይብል። ብተወሳኺ ዛጊት ዝተካየዱ መጽናዕቲታት፣ 47 ሚእታዊት ነብሰጾራትን ዘጥቡባ ኣደታትን፣ ብከቢድ ሕጽረት መግቢ ይሳቀያ ከምዘለዋ ሓቢሩ ኣሎ።

ኣብ እዋን ውግእ ምብጻሕ ዘይካኣል ኣብ ዝነበሩ ግጀትን ዋጂራትን ዘለው ቆልዑ፣ ኣብ ሓደገኛ ኩነት ኣለው ዝብል መግለጺ ትካል ህጻናት ሕቡራት ሃገራት፣ ዝተማለአ መግቢ ኣይረኽቡን፣ ጸረ ተሃዋስያን መድሓኒት የለን፣ ትካላት ጥዕና ኤለክትሪክ የብሎምን፣ ቆልዑ’ቲ ከባቢ ንኣዋርሕ ኣይተኸተቡን ይብል።

እቲ ትካል ወሲኹ "ናብ ትግራይ ዘይተደረተ መተሓላለፊ ንክረክብ ከምዝሓተተ፣ ኩሎም ወገናት፣ ስለምሕላው ድሕነት ቆልዑ ንዝወጹ ዓለምለኸ ሕጊታት ክትግብሩ" ጸዊዑ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG