ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መጥቓዕቲ ቤንሻንጉል ጉምዝ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ኣትዩ ነበርቲ ናብ ንቡር ንምንቅስቃሳቶም ምምላሶም ተገሊጹ

ቅድሚ ኣርባዕተ መዓልታት ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ጉምዝ ወረዳ ጉባ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ኣትዩ ህዝቢ ናብ ሰለማዊ ምንቅስቓሳቱ ከምዝተመልሰን ሓላፊ ኮሚኒኬሽን ወረዳ ጉባ ን ድምጺ ኣሜሪካ ሓቢሩ።

ስነ-ስርዓት ቀብሪ `ቶም በቲ መጥቃዕቲ ዝሞቱ 14 ሰባት ተወለድቲ ኣምሓራ፥ ኣዝማዶም ኣብ ዝርከብሉ ኣብ ክልል ኣምሓራ ተፈጺሙ`ሎ።

ሓላፊ ኮሚኒኬሽን ክልል ኣምሓራ ኣቶ ግዛቸው ሙሉነህ ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ናይ ጽንፈኛ ህወሓት ተለኣኣኽቲ`ዮም ክብል ከሎ፥ ብተመሳሳሊ ኣብ ክልል ቤነሻንጉል ምኽትል ሓላፊ ጸጥታ ኣቶ ኣብደልዓዚዝ መሓመድ ብወገኑ፥ ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ተለኣኣኽቲ ግብጽን ህወሓትን ምዃኖም ሰነዳቶም ኣረጋጊጹ`ሎ ኢሎም።

ብዛዕባ`ዚ ክሲ ዝተሓተተት ሓላፊት ርክብ ህዝቢ ክልል ትግራይ ወይዘሮ ሊያ ካሳ "ህዝቢ ብዝግባእ ከመሓድሩ ዘይከኣሉ ኣመራርሓ: ህዝቢ ምንም ኣይፈልጥን ኢሎም ብምንዓቕ ንዝተፈጠረ ፀገም ፀጥታ ንሳልሳይ ወገን ናይ ምጥባቕ ልማድ እዩ ክትብል ነቲ ክሲ ነፂጋቶ`ላ:: ህወሓት ይኹን መንግስቲ ትግራይ ኣብ ከምዚ ዓይነት ፀያፍ ተግባር ከምዘይሳተፉ: ቅድሚ ሕጂ ኣብ ዝሰርሕዎ ስራሕን ካብ ዝኽተልዎ መትከል ይፍለጥ እዩ ኢላ ኣስዒባ::

ብኻልእ ወገን ቅድሚ ሓደ ዓመት ኣብቲ ከባቢ ግጭት ብምልዕዓል ተኸሲሶም ዝተኣሰሩ 98 ሰባት መስርሕ ፍርዶም ንልዕሊ ዓመት ተጓቲቱ-ክብሉ ናይቶም እሱራት ቤተ ሰብ ኣማሪሮም። ፕረዚደንት ጠቕላሊ ቤት-ፍርዲ ቤንሻንጉል ብወገኑ፥ ቫይረስ ኮሮና ኣብ መስርሕ ቤት -ፍርዲ ዕንቅፋት ከም ዝኾነ ገሊጹ`ሎ። ሓላፊ ቤት ፍርዲ ቤነሻንጉል ጉምዝሕጂ ግን እቲ ግቡእ ናይ ምክልኻል ጥንቃቐ ብምውሳድ እቲ መስርሕ ፍርዲ ክቕጽል`ዩ ኢሉ ።

XS
SM
MD
LG