ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ዕጡቓት ንሰላማዊያን ሰባት ምቕታሎም ናይዓይኒ መሰኻኽር ሓቢሮም


ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ዞባ ካማሻ ወረዳ ሴዳል ዕጡቓት ንስቪላት ቀቲሎም ንብረት ምዕናዎም መሰኻኽር ዓይኒ ኢና ዝበሉ ንንድምጺ ኣሜሪካ ገሊፆም።

ነቲ ዝተፈፀመ መጥቓዕቲ ዘረጋገፁ ሓላፊ ቢሮ ፀጥታን ህንፀት ሰላምን እቲ ክልል ኣቶ ኣብዮት ኣልቦሮ "ዕላምኦም ንህንፀት ዓብይ ግድብ ህዳሰ ንምዕንቃፍን ናይቲ ክልል ሰላም ንምዝራግን እዩ" ኢሎም ኣለው።

ዕጡቓት ትማሊ ንሰላማዊያን ሰባት ቀቲሎም ዝበሉ ናይ ዓይኒ ምስክር ኣቶ ማቲ ሙላቱ እቶም ዕጡቓት "ንቀያሕቲ" ሰባት ጥራሕ እናፈለዩ ካብ ምጥቓዕ ብተወሳኺ ኣብ ልዕሊ ንብረት መንግስትን ውልቀሰባትን ጉድኣት ኣውሪዶም ኣለው ኢሎም። ንሶም ንገዛእ ርእሶም ሓዊሱ ሰባት ንብረቶም ራሕሪሖም ምህዳሞም ገሊፆም።

ኣቶ ኣብዮት ነቲ መጥቓዕቲ ዝፈፀሙዎ ዕጡቓት ዴሞክራሲያዊ ምንቅስቓስ ህዝብታት ጉሙዝ እዮም እውን ክብሉ ከሲሶም ኣለው። ዝወረደ መጠን ጉድኣት ዛጊት እንተዘይተፈለጠ እውን ካብ ስቪላትን ዕጡቓት መንግስትን ዝተቐትሉ ከምዘለው ገሊፆም። እቶም ሓላፊ ቢሮ ህንፀት ሰላምን እቲ ክልል እቲ መጥቓዕቲ መንነት መሰረት ዝገበረ ኣይኮነን ኢሎም ኣለው ።ኣብ ልዕሊ እቶም ዕጡቓት ስጉምቲ ይውሰድ ከምዘሎ እውን ወሲኾም ሓቢሮም።

ርእይቶ ዴሞክራሲያዊ ምንቅስቓስ ህዝብታት ጉምዝ ንምርካብ ዝተገብረ ፃዕሪ ኣይሰለጠን ።

XS
SM
MD
LG