ህወሓት ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ተቖጻጺርዎ ኣብ ዝነበረ ከባቢታት ክልል ኣምሓራን ዓፋርን 'ብዘይ ፍርዲ ሰባት ከምዝተቀትሉ' ግብረ ሓይሊ ሚኒስትራት ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።
እቲ ቅትለት መብዛሕትኡ ብሓይልታት ህወሓት ብዝተወሰነ መልክዑ ኸኣ ሰበ ስልጣን ሸኔ ኢሎም ብዝጽውዕዎ ጉጅለ ከምዝተፈጸመ እቲ ግብረ ሓይሊ ብምርመራ ከምዘረጋገጸ አመልኪቱ።
ብተወሳኺ ልዕሊ 2 ሽሕ ደቀንስትዮ ብሓይልታት ህወሓት ተደፊረን ዝበለ እቲ ግብረ ሓይሊ ሚኒስተራት ምስ ደሕንነት ብዝተተሓሓዘ ኣብ ክልል ትግራይ ንዝተፈጸመ ምግሃሳት ከምዘይመርመረ ገሊጹ'ሎ።
እዚ ብመሰረት ምኽረ ሓሳብ ሓባራዊ ጉጅለ መርማሪ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን ቤት ጽሕፈት ላዕለዋይ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራትን ዝተመስረተ ግብረ ሓይሊ ኣብ ልዕሊ ንብረት ዝለዓለ ዕንወትን ዘረፋን ከምዝተፈጸመ ኣፍሊጡ'ሎ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት ኣምንስት ኢንተርናሽናል ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ህወሓት ኣብ ክልል ኣምሓራ ከባቢታት ጭናን ቆቦን ኢሰብኣዊ ተግባራት ፈጺሙ ክብል ምግላጹ ይዝከር።
እንተኾነ ህወሓት ነቲ ብኣምንስት ኢንተርናሽናል ኾነ ብሕቡራት ሃገራትን ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን ዝወጸ ጸብጻብ ኣይተቀበሎን።
ብኻልእ ወገን ጉጅለ ሰብ ሞያ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ ንዘውጽኦ ጸብጻብ ብዘይካ እቲ ንዕኡ ዝምልከቶ ነቲ ኻልእ ከምዝቅበሎ ህወሓት ገሊጹ እዩ። ሎሚ ንዝወጸ ጸብጻብ ግብረ ሓይሊ ሚኒስተራት ግን ዛጊት ካብ መቐለ ዝተሰምዐ ምላሽ የለን።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን ነቲ ብጉጅለ ሰብ ሞያ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ዝወጸ ጸብጻብ ዘነኣኣሶ ክኸውን እንከሎ እቲ ግብረ ሓይሊ ሚኒስትራት ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ግን 'ፖሎቲካዊ አጀንዳ ዘለዎ'
ኢልዎ'ሎ።
እዚ ግብረ ሓይሊ ሚኒስተራት ኣብ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ተፈጺሞም ንዝበሃሉ ናይ ጭካነ ተግባራት ተሓታትነት ንምዕሳልን ዝተጎድኡ ግቡእ ካሕሳ ንክረኽቡ ንምኽኣልን ብዝብል ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተመስረት እዩ።