ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ክልላት ኦሮምያን ቤንሻንጉልን ብዝተፈጥረ ጸገም ጸጥታ ልዕሊ 800  ተወላዶ ኣምሓራ ካብ መነባብርኦም ምዝንባሎም ተገሊጹ


ደሴ

ኣብ ክልላት ኦሮሚያን ቤንሻንጉል ጉምዝን ይነብሩ ዝነበሩ ልዕሊ 800 ተወለድቲ ብሄረ ኣምሓራ ኣብቶም ክልላት ብዝተፈጠሩ ናይ ፀጥታ ፀገማት ተመዛቢሎም ናብ ዞባ ደቡብ ወሎ ምኻዶም ናይቲ ዞባ ምክልኻል ሓደጋን ውሕስነት መግብን ኣፍሊጡ።

ናይቲ ቤት ፅሕፈት ሓላፊ ኣቶ መሳይ ማሩ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ወለጋን ቤንሻንጉል ጉምዝን ብዘሎ ናይ ፀጥታ ፀገም ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ መዓልታት 827 ተወለድቲ ኣምሓራ ንብረቶም ራሕሪሖም ናብ ደቡብ ወሎ ምኻዶም ገሊፆም።

ቅድም ክብል ተላኢኹ ዝነበር መግብን መግቢ ዘይኮኑ ሓገዛትን ንተማዘበልቲ ከምዝተውሃበን ምስ ብዝሒ ናይቶም ተመዛበልቲ እኹል ከምዘይኮነን ገሊፆም።

ካብቶም ተመዛበልቲ ዝበዝሑ ህፃናትን ደቂ ኣንስትዮን ከምኡ እውን ብዕድመ ዝደፍኡ ዓበይቲ ከምዝርከብዎም ተሓብሩ'ሎ።

XS
SM
MD
LG