ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኬንያ ኣብ መንገዲ ዝተቐብረ ነታጒ ብምትዃሱ 13 ሰባት ሞይቶም


ኣብ ኬንያ ኣብ መንገዲ ዝተቐብረ ነታጒ ብምትዃሱ 13 ሰባት ሞይቶም
ኣብ ኬንያ ኣብ መንገዲ ዝተቐብረ ነታጒ ብምትዃሱ 13 ሰባት ሞይቶም

ኣብ ሰሜን ኬንያ ትጉዓዝ ኣብ ዝነበረት ኣውቶቡስ ዝተመሓየሸ ፈንጂ ተተኲሱ ብውሑዱ 13 ሰባት ሞይቶም: ካልኦት ምቑሳሎምን ምስቲ መጥቓዕቲ ብዝተኣሳሰረ ፖሊስ ኬንያ ንሓደ ተጠርጣሪ ምሓዙ ኣፍሊጡ።

ናይ 14 ሰባት መንበርዘለዋ ኣውቶቡስ ሎሚ ሰኑይ ናብ ማንዴራ ዝተባህለት ንእሽተይ ከተማ ትጓዓዝ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ኣብ መንገዲ ዝተቐበረ ነታጒ ተተኹሱ እቲ ሓደጋ ምግጣሙ ፖሊስ ኬንያ ይሕብር።

መራኸቢ ብዙሃን ኬንያ ድሕሪ እቲ ሓደጋ ቶኽሲ ምስምዕዖም ንመሰኻኽር ዓይኒ ብምጥቃስ ፀብፂበን ኣለዋ።ንሓላፊ ፖሊስ ቡኒ ሮኖ ዝጠቐሳ ሚዲያታት ኬንያ ሓደ ተጠርጣሪ ኣብ ቐይዲ ውዒሉ ይሕተት ከምዘሎ ሓቢረን ኣለዋ።

ሽዑ ንሽዑ ነቲ መጥቓዕቲ ሓላፍነት ዝወሰደ ኣካልን የለን እቲ ጥርጣረ ግን ናብ እስላማዊ ጉጅለ ኣልሸባብ ዘቕንዕ እዩ ዝምስል።እቲ ናይ ሶማል ኣሸባሪ ጉጅለ ኣብ ዝሓለፉ ግዚያት ዶብ እናሰገረ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ፀጥታን መጎዓዚያ ህዝቢን ብዙሕ ግዜ መጥቓዕታት ፈፂሙ እዩ።

ፖሊስ ኬንያ ወሲኹ ኣብ ዝሓለፈ ረቡዕ ጥርጡራት ተዋጋእቲ ኣል ሸባብ ኣብ ወረዳ ላሙ ሰበስልጣን ፅዒነን ይጉዓዛ ኣብ ልዕሊ ዝነበራ መካይን ቶኽሲ ብምኽፋቶም ብዙሓት ሰባት ቆሲሎም ይብል።

XS
SM
MD
LG