ዋሽንግተን —
ሰበ ስልጣን ኬንያ ኣልሸባብ ኣብ ግዝኣት ላሙ ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ኣውቶቡስ ዘካየዶ መጥቓዕቲ ሰለስተ ሰባት ምሟቶም ገሊጾም።
ብተወሳኺ ኣብታ ካብ ከተማ ሞምባሳ ናብ ግዝኣት ላሙ ትጉዓዝ ዝነበረት ኣውቶቡስ ዘጋጠመ መጥቓዕቲ ካልኦት ሰለስተ ሰባት ምቁሳሎም ገሊጾም።
ሰበ ስልጣን ጸጥታ ጥርጡራት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ንምእታው ካብ ላሙ ናብ ገርሰን ዝወስድ መንገዲ ዝነበረ መጉዓዝያ ምቁራጹ ተፈሊጡ’ሎ።
ኣልሸባብ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ኣብ ልዕሊ ኬንያ ተደጋጋሚ መጥቓዕቲ ከካይድ ምጽንሑ ዝፍለጥ ኮይኑ እዚ ድማ ኬንያ ሰራዊታ ኣብ ሶማል ወፊሩ ዘሎ ዓቓብ ሰላም ሰራዊት ብምውፋራ ግብረ መልሲ ምዃኑ ክገልጽ ጸኒሑ’ዩ።