ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ካናዳ ዝበጽሑ ዘለው ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሰን ንቤተክርስትያን ካቶሊክ ዝተፈጸመ በደል ይቕረ ሓቲቶም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ፍራንሲስ ኣብ ካናዳ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ፍራንሲስ ኣብ ካናዳ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ፍራንሲስ ኣብ ካናዳ ናይ ሽዱሽተ መዓልታት ምብጻሕ ኣብ ዘካይዱሉ ዘሎ እዋን ደቀባት ኣመንቲ ካቶሊክ ኣብ ስታድየም ኤድመንተን ኣብ ዝተኻየደ ስነ ስርዓት ጸሎት ተኻፊሎም።

ንሶም ኣብ’ቲ መደብ’ቲ ዝተኻፈሉ፣ ሓደ መዓልቲ ድሕሪ ብሰንኪ እቶም ኣብ ትሕቲ ቤተ ክርስትያን ካቶሊክ ዝደኮነቶ ቤ/ትምህርቲ እናሃለው፣ በደል ዝተፈጸሞም ኣባላት’ቶም ደቀባት፣ ምሕረት ንክገብሩሎም ድሕሪ ምሕታቶም እዩ።

እቶም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ፣ ኣብ መደረኦም ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ዝፈጸመቶ ተግባር ምስ ‘ምጽናት’ ዘስዓበ ትካላዊ ስራሕ ኣመሳሲሎምዎ። ኣብ ሓደ እዋን ኮምሽን ኣናዳዪ ሓቂን ዕርቂን ካናዳ፣ እቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ዝፈጸመቶ ‘ማዕረ ባህላዊ ጅምላዊ ህልቂት’ ክብል ከምዝገለጾ ዝዝከር እዩ።

ልዕሊ 150 ህጻናት ካናዳዊያን ደቀባት፣ ክሳብ 1870 አብ ዝነበሩ ኣስታት 70 ዓመታት፣ ኣብ ሓዳሪ ቤ/ትምህርቲ ካቶሊካዊያን፣ ካብ ቤተሰቦምን ባህሎምን ተፈልዮም ንክማሃሩ ከምዝተገብረ እቲ ዜና ይሕብር።

መንግስቲ ካናዳ ብወገኑ ቆልዑ ደቀባት፣ ኣካላዊ መጥቓዕቲን ጾታዊ ምንዋርን ብሰፊሑ ከምዝተፈጸሞም፣ ብቋንቋኦም ስለዝተዛረቡ ይቅጽዑ ከምዝነበሩ ከምዘረጋገጸ ዝዝከር እዩ።

XS
SM
MD
LG