ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ካናዳ ከተማ ቶሮንቶ ብዘጋጠመ ሓደጋ መኪና 10 ሰባት ሞይቶም


ኣብ ከተማ ቶሮንቶ ትማሊ ሶኑይ ንግሆ ብዘጋጠመ ሓደጋ መኪና 10 ሰባት ክሞቱ ከለው 15 ድማ ቆሲሎም።

ፖሊስ'ታ ከተማ መራሕ መኪና ንመኪንኡ ናብቲ ናይ አጋር መንገዲ ብምምርሑ ብዝተፈጠረ ሓደጋ ጠንቂ ኣብ ምጽራይ ከምዘለው ገሊጾም።

ሓላፊ ፖሊስ'ታ ከተማ ማርክ ሳንደርስ ጥርጡር መራሕ መኪና ወዲ 25 ዓመት መንእሰይ ነባሪ ከባቢ ከተማ ቶሮንቶ ምዃኑን እቲ መጥቓዕቲ ኮነ ኢሉ ዝተገብረ ምዃኑ ሓቢሮም።


ብመሰረት ሓበሬታ ናይ ዓይኒ መሰኻክር'ታ መኪና ናብ መንገዲ አጋር ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ምስ ኣተወተት ኣብ ቅድሚኣ ዝነበሩ ሰባት ጉድ ኣት ምብጽሑ ይገልጽ።


ቀዳማይ ሚንስትር ካናዳ ጃስተን ትራዱ "ኣሰቃቂ ትርጉም ኣልቦ ፍጻሜ'ዩ" ድሕሪ ምባሎም ንስድራ ጉዱኣት ናይ ምጽንናዕ መልእኽቲ ኣሕሊፎም።

ካብ ቤተ መንግስቲ ዋይት ሃውስ ብዛዕባ'ዚ ሓደጋ ዝተዋህበ መግለጺ ኣሜሪካ ኣብ ጎኒ ህዝቢ ካናዳ ደው ከምትብልን ዘድልይ ሓገዝ ከትህብን ይገልጽ።

XS
SM
MD
LG