ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ካሜሮን ዝተኻየደ ምርጫ ክቑጸር ምጅማሩ ተገሊጹ


ሰበስልጣንን ተዓዘብቲ ሕብረት ኣፍሪቃ ዕዉት ነይሩ ዝበሉዎ ትማሊ ሰንበት ኣብ ካሜሮን ዝተኻየደፕረዚደንታዊ ምርጫ ምቑፃር ቀፂሉ’ሎ።ሰበስልጣን ነኣሽቱ ፀገማትን ሒደት ምስ ምርጫ ዝተኣሳሰረ ህውከትን እንተነበሩ እውን ኣብ ውፅኢቱ ብዙሕ ፅልዋ ኣየምጻእን ኢሎም ኣለው።

ዋና ዳይረክተር ምርጫ ኤሪክ ኤሶውስ “ገለ ነኣሽቱ ኣጋጣሚታት ተራኢዮም ኣለው።ኣብ ገለ ናይ ምርጫ ጣቢያታት ሓደ ወይ ክልተ ሕፁያት ዝተፃረፉ ነይሮም።እዚኦም እንተኾኑ ግን ኣብ ዴሞክራስንናን ምክእኣልን ተቐባልነት የብሎም እዮም።”

ናይ ሕብረት ኣፍሪቃ ሓዊሱ ነቲ ምርጫ ልዕሊ ሸውዓተ ሽሕ ተዓዘብቲ ከምዝተዓዘቡዎ ተፈሊጡ።

XS
SM
MD
LG