ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ካሜሮን ብዝተላዕለ ሕማም ኮሌራ 17 ሰባት ሞይቶም


ፋይል
ፋይል

ካሜሩን ኣብቲ ምስ ጫድን ናይጀርያን ዘዋስን ሰሜናዊ ግዝኣታ ብዝተላዕለ ሕማም ኮሌራ ኣብዚ ሰሙን`ዚ ጥራሕ 17 ሰባት ከም ዝሞቱን ንካልኦት`ውን ስግኣት ፈጢሩ ምህላው ኣፍሊጣ።

እቲ ሕማም ተላገብ በቲ ዝቕጽል ዘሎ ውሕጅ ክጋደድ ከምዝኽኣለ`ውን ኣፍሊጣ`ላ።

ሰበ-ስልጣን ካሜሩን ገለ ካብቶም ከባብታት ብሰራሕተኛታት ጥዕና ንክብጽሑ ኣጸጋሚ ምዃኑ`ውን ይገልጹ`ለዉ።

ንሳቶም ወሲኾም ኣሸበርቲ ቦኮ ሓራም መጥቃዕትታት ዘካይድሉ ከባቢ ስለዝኾነ ድማ፡ ነቲ ብሰንኪ ምሕያል ውሕጅ ዝመጸ ኮሌራ ብምቁጽጻሩ ካልእ ጸገም ምዃኑ ይገልጹ። ፕረዚደንት ካሜሩን ፓወል ቢያ፡ ሰበ--ስልጣን`ቲ ኸባቢ ኣብ ምክልኻል ኮሌራ ንኩሉ ዝምልከቶ ሕብረተሰብ ከተሓባብሩ መምርሒ ከምዘሕለፈ`ውን ተሓቢሩ`ሎ።

XS
SM
MD
LG