ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ካሜሮን ብዘጋጠመ ምንሽርታት መሬት 14 ሰባት ሞይቶም


ኣብ ዋና ከተማ ካሜሮን ያውንዴ ትማሊ ሰንበት ብዘጋጠመ ምንሽርታት መሬት ብውሑዱ 14 ሰባት ከምዝሞቱን ካልኦት ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ምቑሳሎምን ሰራሕተኛታት ኣድሕን ህይወት ድማ ህይወት ናይ ምድሓን ፍተሻ ቀፂሎም ኣለው።

እቲ ምንሽርታት መሬት ከጋጥም ከሎ እቶም ግዳያት ኣብ ስነስርዓት ቀብሪ ከምዝነበሩ ተፈሊጡ ኣሎ።

መንግስቲ ካሜሮን 18 ሜትሮ ንውሓት ዘለዎ መንድቕ መከላኽሊ ሓመድ ስነስርዓት ቀብሪ ይሳተፉ ኣብ ልዕሊ ዝነበሩ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ከምዝፈረሰ ገሊፁ።

ሰለስተ ሚሊዮን ህዝቢ ዝነብረላ ያውንዴ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ኣዋርሕ ብዝዘነበ ዝናብ ኣዕናዊ ውሕጅ ኣጋጢሙዋ እዩ።መንግስቲ ንሓደጋ ኣብ ዝተቓልዑ ከባቢታት ዝተሰርሑ ልዕሊ 25 ኣባይቲ ተደርሚሶም ንዓሰርተታት ሰባት ቀቲሎምን ኣቑሲሎም ይብል ።

XS
SM
MD
LG