ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ካሊፎንያ ዘይሕጋዊን ስደተኛታት ጽዒነን ዝነበራ ጀላቡ ብዘጋጠመ ሓደጋ 8 ሰባት ሞይቶም


ፋይል
ፋይል

ኣብ ኽልተ ዘይሕጋዊያን ስደተኛታት ዝፀዓና ጃላቡ ብዘጋጠመ ሓደጋ ብውሑዱ ሸሞንተ ሰባት ሞሟቶም ሰበስልጣን ክፍለ ግዝኣት ካሊፎርኒያ ኣፍሊጦም። እዚ ኣብ ገምግም ማያት ኣመሪካ ካብ ዘጋጠመ እቲ ዝኸፍአ ሓደጋ ምስግጋር ደቂ ሰባት እዩ።

ኣብታ ሓንቲ ጃልባ ተሳፊራ ዝነበረት ቋንቋ ስፓንሽ እትዛረብ ሰበይቲ ቀዳም ለይቲ ናይ ርድኡና ስልኪ ደዊላ ካብ ከተማ ሳን ዲያጎ 24 ኪሎ ሜትር ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ብላክ ቢች ዝተገልበጠት ጀልባ 15 ሰባት ከምዝነበሩን ኣብታ ንሳ ዝተሳፈረትላ ጀልባ ድማ ሸሞንተ ከምዝነበሩን ተዛሪባ።

ሰራሕተኛታት ሓለወቲ ወሰንን ምክልኻል ሓደጋ ሓዊ ሳን ዲያጎን ሸሞንተ ሬሳ ከምዝረኸቡ ሓቢሮም ኣለው። እንተኾነ ብዝነበረ ግመተወሰኽቲ ግዳያት ንምውፃእ ከምዘይኸኣሉ'ውን ተፈሊጡ ኣሎ። እቲ ስርሒት ትማሊ ሰንበት እንተቐፀለ እውን ሬሳ ኣይተረኸበን።

እታ ስልኪ ዝደወለት ሰበይቲ ሓዊሱ ብመሬት ዘምለጡ ከምዝህልው እንተተገመተ እውን ሰበስልጣን ግን ኣበይ ከምዝኣተው ኣይፈለጡን ዘለው።

ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ኣብ ገማግም ካሊፎርኒያ ብኣማኢቲ ዝቑፀሩ ዘይሕጋዊ ምስጋር ሰባት ይካይድ ሓሓሊፉ ድማ ሓደጋ ሞት የጋጥም።

XS
SM
MD
LG