ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ካሊፎርንያ ሓድሽ ዓይነት ቫይረስ ኮሮና ዝሓዞ ሰብ ከምተረኽበ ተገሊጹ


ሆስፒታላት ብሕሙማት ኮቪድ ኣብ ዝመልኡሉ እዋን እቲ ፈለማ ኣብ ብሪጣንያ ከምዝተረኽበ ዝፍለጥ ሓዱሽ ባህሪ ዘለዎ ቀልጢፉ ዝመሓላለፍ ዓይነት ኮቪድ 19 ዝተታሓዘ ሰብ ኣብ ካሊፎርኒያ'ውን ተረኺቡ። እዚ ነቲ ፈላማይ ኣብ ኮሎራዶ በዚ ሕማም ዝተታሓዘ ሰብ ምርካቡ ስዒቡ ዝተረኸበ'ዩ።

ኣመሓዳሪ ግዝኣት ካሊፎርኒያ ጋቪዮን ኒውሶም ኣብ ኣሜሪካ ላዕለዋይ ተመራማሪ ተላገብቲ ሕማማት ምስ ዝኾኑ ኣንቶኒዮ ፋውቺ ብቀጥታ ኣብ ዝተመሓላለፈ ዝገበርዎ ዘተ ሓዱሽ ባህሪ ቫይረስ ኮቪድ 19 ዘለዎ ሰብ ኣብ ግዝኣቶም ከምዝተረኽበ ተዛሪቦም እዮም ። ዶክተር ፋውቺ'ውን በቲ ኩነታት ከምዘይተገረሙን ካሊፎርኒያ ብለበዳ ኮቪድ ብሓያሎ ዝተጠቅዐት ፣ ብዝሒ ቁፅሪ መወቲ ይዛይድ ኣብዘለሉን ሆስፒታላት ኣዚዮም ብዝሓመሙ ሰባት ኣብ ዝተጨናነቃሉን ኩነታት ምርካቡ ዘገርም ኣይኮነን ። ምናልባት 'ውን መጠን ተጠቃዕቲ እቲ ቫይረስ ኣብ ዝመፅእ ሰሙናት ቁፅሩ ክውስኽ ይኽእል'ዩ ኢሎም ። ብዛዕባ እቲ ሓዱሽ ባህሪ ዘለዎ ዓይነት ኮቪድ 19 ዝፈልጥዎ'ውን ኣብቲ እዋን ኣክፊሎም እዮም ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ።

ኣብ ካሊፎርንያ ሓድሽ ዓይነት ቫይረስ ኮሮና ዝሓዞ ሰብ ከምተረኽበ ተገሊጹ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:17 0:00



ርእይቶታት ንምርኣይ

XS
SM
MD
LG