ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ንቀ/ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ዝድግፍን ንፌደራሊስት ኮንግረስ ኦሮሞ ዝቃወምን ሰልፍን ጉያን ሎሚ ኣብ ከተማ ጅማ ተኻይዱ


ንቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ናይ ደገፍ ንፓርቲ ፌደራሊስት ኮንግረስ ኦሮሞ ድማ ናይ ተቓውሞ ጉያ ሎሚ ኣብ ከተማ ጅማ ምክያዱ ተሳተፍቲ ንሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ገሊፆም።

ኣብቲ ጉያ ካብ መንጎ ዝተሳተፉ መንእሰይ ጉተማ ሃይደር “ቅድሚ ሎሚ ናይ ኦሮሞ ፌደራሊስት ኮንግረስ ኣቦ መንበር ፕሮፌሰር መረራ ጉዲና ጅማ መሬት እምበር ሰብ የብላን ኢሎም ክብሉ ንዘስምዕዎ መደረ ፅል’’ ንምቅዋም እዩ እቲ መንእሰይ ወፂኡ ኢሉ።

“ኣብ ከተማ ጅማ ንክብሪ ናይቲ ማሕበረሰብ ዝትንክፍ ፀርፊ ተፈኒዩ ነይሩ።ዝተፃረፉ ይቕሬታ ክሓቱ ቅድሚ ሎሚ ሓቲትና መልሲ ስለዘይረኸብና ነዚ ፀርፊ ንምቅዋምን ደገፍና ንምግላፅን ኢና ወፂእና።”

ዶ/ር ኣብይ ኣብ ስድርኦምን ኣብ ማሕበረሰቦምን ዝተፀርፉዎ ፀርፊ ስለዘሎ ፀርፊ ናይ ፖለቲካ ለውጢ ኣየምፅእን ዝበለ መንእሰይ ጉተማ ናይ ፕሮፌሰር መረራ ፓርቲ ንህዝቢ ጅማ ብወግዒ ይቕሬታ ከይሓተተ ንወፍሪ ምርጫ ክመፅእ ምሕሳቡ ግቡእ ዘይምዃኑ ንምግላፅ እዩ ኢሉ።

ኣቦ መንበር ፌደራሊስት ኮንግረስ ኦሮሞ ፕሮፌሰር መረራ ጉዲና ብወገኖም ከምዚ ክብሉ መልሲ ሂቦም።

“ህዝቢ ጅማ ህዝብና እዩ።ከመይ ገይረ ንህዝቢ ጅማ ከምኡ ክብል!! እንተወሓደ ሶሻሊስት ዝነበርኩ ሰብ እየ።ንህዝቢ ጅማ ይኹን ንዝኾነ ይኹን ህዝቢ ከምኡ ኢለ ዝፃረፍ ሰብ ኣይኮንኩን።ኣየተፃረፍኩን ከምኡ ኢለ ዝፃረፍ ሰብ እውን ኣይኮንኩን።”

ጅማ ናይ ኢትዮጵያ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ናይ ትውልዲ ከባቢ ከም ምዃኑ ናይ ጂማ መናእሰይ ኣብ ጎኒ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ደው ምባሎም ንምርኣይ ነዚ ሰልፊ ከምዘዳለውዎ መንእሰይ ጉተማ ገሊፁ’ሎ።።

ኣብቲ ሰልፊ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ መንእሰይ ምስታፎም ድምፂ ኣሜሪካ ዘዘራረቦም መናእሰይ ገሊፆም።

XS
SM
MD
LG