ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ከተማ ጂግጂጋ ዝተፈጥረ ግጭት እንተረጋግኣ’ዃ ጸገም መግብን ዝስተ ማይ ከምዘሎ ነበርቲ ገሊጾም


ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ሶማል ከተማ ጂግጂጋ ዝተፈጥረ ግጭት ንምርግጋእ ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት እታ ክልል ሓይልታት ምክልኻልን ኣባላት ፈደራልን ፖሊስ ምስ ኣተው ዝነበሩ መጥቓዕትታት ደው ኢሎም ኣንፃራዊ ምርግጋእ እንተሃለወ እውን ዝለዓለ ፀገም መግብን ዝስተ ማይን ከምዘሎ ነበርቲ ገሊፆም።

ኣብ ዩኒቨርስቲ ጂግጂጋ ናይ ክረምቲ ትምህርቶም ዝከታተሉ ተማሃሮ ኣብ ፀገም ከምዝወደቑ ገሊፆም ኣለው።ብኻልእ ወገን ኣብ ከተማ ድሬዳዋ ዝወረደ ሞት ስዒቡ ኣብ ጅቡቲ ዝርከቡ ኢትዮጵያዊያን በደል ይፍፀሞም ከምዘሎ ገሊፆም።

ጅቡቲ እውን ዜጋታታ እቲ ሽግር ካብ ዘለዎም ከባቢታት ተውጽእ ምህላዋ ገሊፃ’ላ።

ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ኣብ ጂግጂጋን ካልኦት ከተማታትን ኢትዮጵያ ክልል ሶማሌ ዝተፈጥረ ሽግር ንምርግጋእ እናሰርሐ ምዃኑ ንመራኸቢ ብዙሃን ውሽጢ ሃገር ገሊፁ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG