ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ከተማ ድሬዳዋ ንሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ዝድግፍ ሰልፊ ተኻይዱ


ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ኢትዮጵያ ንሰራዊት ምክልኻል ፅድግፉ ሰላማዊ ሰልፍታት ተኻይዶም።ኣብ ኩለን ጣቢያታት ከተማ ድሬድዋ ዝተሳተፋሉ ሰልፊ ትማሊሰንበት ተኻየዱ ኣሎ።ህወሓት ንሰሜን እዚ ኣጥቒዑ ህፃናት እውን ንትሕቲ ዕድመ ቆልዑት ንውግእ ኣሰሊፉ ኢሎም ዝንቐፉን ንጅግንነት ሰራዊት ምክልኻል ዝነኣዱን ከተንቲባ እታ ከተማ ኣሕመድ መሓመድ ቡህ ናይቲ ሰልፊ ዕላማ እዚ ጥራሕ ከይኮነስ ካልኣይ ዙር ምምላእ ማይ ግድብ ህዳሴን ሻድሻይ ዙር ሃገራዊ ምርጫ ብሰላም ምዝዛሙን ምኽኒያት ብምግባር እዩ ኢሎም።

ናይ ድሬዳዋ ደቂ ኣንስትዮ ፌደረሽን ኣዶወንበር ወይዘሮ ቢፍቱ ኣባስ ኣብቲ ሰልፊ ንኣዴታት ትግራይ ክብላ ኣብ ዘስምዕኦ መደረ ትማሊ ብሽግር ክትነብራ ዝገበረክን‘’ኣሸባሪ ጁንታ’’ኢለን ዝፀውዕኦ ክቃወምኦ ‘’ንሕና ናይ ድሪዴዋ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ፌደራሽን ኣባላት’’ ፃውዒትና ነቕርብ ኣለና ኢለን።

ናይ ድሬድዋ ምምሕዳር ህፃናት ፓርላማ ኣፈጉባኤ ህፃን ሩታ ታከለ ህፃናት ንውትድርና ምጥቃም ብምኹናን ዝምልከቶም ኣካላት ንህፃናት ትኽክለኛ ሓበሬታ ብሓላፍነት መንፈስ ክህቡ ሓቲታ።

ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑት ኣብ ስልጠና ይኹን ኣብ ውግእ ከምዘየሰለፈ ብምሕባር ጋዜጠኛታት ይኹኑ ካልኦት ዓለምለኸ ኣካላት ናብ መሰልጠንን ወታደራዊ ዓውድን መፂኦም ክሪኡ ንዕድም ኢሉ ኣሎ።

ንናይ ድሬድዋ ተነሓናሕቲ ውድባት ብምውካል መደረ ዘስምዑ ናይ ኢዜማ ናይ ድሬድዋ ሓላፊ ኣቶ ዮናስ ጥግነህ ንናይታ ሃገር ሰላምን ‘’ኣሸበርቲ’’ኢሎም ንዝተውዕዎምን ንምምካት ካብኦም ዝድለ ኩሉ ከምዘበርክቱ ኣብቲ መድረኽ መደረ ኣስሚዖም።

ኣብቲ ሰለፊ ዝተንፀባረቑ ጭርሖታት ንሰራዊት ምክልኻል ዝድግፉን ንወሓት ዝኹንኑን ጥራሕ ከይኮኑስ ንቁጠባዊ ዝሕታለ ከተማ ድሬድዋ ህወሓት ተሓታቲ ዝገብሩ እዮም ይብል ፀብፃብ ወኪልና ኣዲስ ቸኮል።

ተመሳሰልቲ ሰልፍታት ቅድም ክብል ኣብ ኣዲስ ኣበባን ሃዋሳን ዝተኻየደ ክኸውን ከሎ ኣብ ኣዳማ፣ጎንደርን ካልኦትን ከተማታት ዝሓለፈ ቀዳምን ሰንበትን ተኻይዱ ኣሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል::

ኣብ ከተማ ድሬዳዋ ንሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ዝድግፍ ሰልፊ ተኻይዱ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:12 0:00

XS
SM
MD
LG