ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ከተማ ድሬዳዋ ብዝተላዕለ ዕግርግር ህይወት ሓደ ሰብ ምጥፍኡ ተገሊጹ


ብቕድሚ ትማሊ ቀዳም ኣብ ከተማ ድሬዳዋ ዳግም ብዝተላዕለ ዕግርግር ህይወት ሓደ ሰብ ከምዘጠፍአ ሓላፊ ቢሮ ጉዳያት ኮሚንኼሽን እቲ ምምሕዳር ገሊፆም።ነበርቲ ግን ብዝሒ መወቲ ሰለስተ እዮም ይብሉ።

ትማሊ እውን ኣብያተ ክርስቲያን ንምቅፃል ከምኡ እውን ባንክታትን ትካላት ሕክምናን ናይ ምውራር ፈተነ ከምዝነበረ ተሓቢሩ’ሎ።እታ ከተማ ሎሚ ሶኑይ ተረጋጊኣ ከምዝውዓለትን ትካላት ንግዲ እውን ተኸፊቶም ኣገልግሎት ክህቡ ምውዓሎምን ተዘዋዊሩ ብዓይኑ ከምዝርኣየ ሪፖርተር ድምጺ ኣሜሪካ ኣዲስ ቸኮል ካብ ከተማ ድሬዳዋ ሓቢሩ’ሎ።

XS
SM
MD
LG