ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ከተማ ድሬዳዋ ብስንኪ ዝሃረመ ብርቱዕ ዝናብ ትሸዓተ ሰባይ ሞይቶም


ኣብ ድሬድዋ ኣብ ዝቕፅል መዓልታት ከቢድ ዝናብ ስለዝሃርም ሕብረተሰብ ጥንቃቐ ክገብር ፃውዒት ቀሪቡ።ኣብታ ከተማ ትማሊ ሰንበት ዝሃረመ ዝናብ ናይ ሓደ ትካል ህንፃ ፈሪሱ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ኣባይቲ ዝነበሩ ትሽዓተ ሰባት ሞይቶም።

ምምሕዳር ድሬዳዋ ንተመሳሳሊ ሓደጋ ዝተቓልዑ 22 ስድራታት ካብቲ ከባቢ ኣልዒሉ ኣብ ጊዚያዊ መፅለሊ ከምዘዕቖቦምን መዓልታዊ መግቢ ሓገዝ እናሃበ ከምዝርከብን ቤት ፅሕፈት ኣተሓባባሪ ስግኣት ሓደጋን ስራሕ ኣመራርሓን ኣፍሊጡ ኣሎ ።

ርእይቶታት ንምርኣይ

XS
SM
MD
LG