ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ከተማ ድሬዳዋ ሕማም ቺኩን ጉንያ ምርኣዩ ተገሊጹ


ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ጥዕና ከተማ ድሬዳዋ ዶ/ር ፋኣድ ከዲር
ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ጥዕና ከተማ ድሬዳዋ ዶ/ር ፋኣድ ከዲር

ኣብ ኢትዮጵያ ከተማ ድሬዳዋ ቺኩን ጉንያ ተባሂሉ ዝፅዋዕ ለበዳ ከምዝተለዓለ ቤት ጽሕፈት ጥዕና’ታ ከተማ ኣፍሊጡ።እቲ ምስ ደንጊ ዝቀራረብ ሕማም ቅድሚ ሎሚ ኣብ ክልላት ዓፋርን ሶማሌን ተራእዩ ከምዝነበረ ዝተሓበረ ኮይኑ ክሳብ ሎሚ ምስቲ ሕማም ዝመሳሰል ምልክታት ዝተርኣዮም 3,756 ሕሙማት ተፈሊዮም ምህላዎም እቲ ቤት ጽሕፈት ሓቢሩ’ሎ።

ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ጥዕና ከተማ ድሬዳዋ ዶ/ር ፋኣድ ከዲር እቶም ሕሙማት ኣብ ትካላት ጥዕና ድሬዳዋ ዝተሓከሙ ምዃኖም እንተኾነ ክሳብ ሕጂ በቲ ሕማም ዝሞተ ሰበ ከምዘየለ ሓቢሮም። ምልክት ናይቲ ሕማም ዝተርኣዮም ናብ ሕክምና ክኸዱ ዝመዓዱ ዶ/ር ፉኣድ እቲ ሕማም ከም ዓሶ ብጣንጡ ስለዝመሓላላፍ ኣብ ድሬዳዋ ንሰለስተ ዓመታት ዘገልግሎ ብከሚካል ዝተኣለኸ 197 ሽሕ ዛንዚራ(ላምስያ) ከምዝተዓደለ ገሊፆም።ኩሉ ሰብ ከባቢኡ ከጽርይን ዝዓቖረ ማይ ምድፋን ከምዝግባእ ሰሰብሞያ ወሲኾም መኺሮም ኣለው።

XS
SM
MD
LG