ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ከተማ ደሴ ዝነብሩ ተወላዶ ትግራይ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም


ከተማ ደሴ
ከተማ ደሴ

ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ኣብ ከተማ ደሴ ዝነብሩ ተወላዶ ትግራይ፡ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም፡ ነቲ ዝቐጸለ ኲናትን ንዝስዕብ ዘሎ ሞት ሰላማውያን ሰባትን ዕንወት ንብረትን ተሓታቲ ህወሓት`ዩ ኢሎም።

ሰልፈኛታት “ኣብ ከተማ ደሴ እንነብር ተወላዶ ትግራይ፡ ኣሸባሪ ህወሓት ዝሓዞ ኣፍራሲ ኣጀንዳ ንቃወም” ዝብል ጭርሖ የቃልሑ ኔሮም።

ዝሓለፈ ነሓሰ ዝደገሰ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ፡መን ጀምርዎ ኣብ ዝብል ፈደራል መንግስትን ህወሓትን ክካሰሱ ጸኒሖም`ዮም።

ኣብቲ ናይ ደሴ ሰልፊ ካብ መንጎ ዝተረኽቡ ሓደ፡ ልዕሊ 48 ዓመታት ኣብ ከተማ ደሴ ከም ዝተቐመጡ ዝገልጹ ተወላዲ ትግራይ ኣቶ ይስሃቕ ኪዳነ ፡ ብዛዕባ ዕላማ`ቲ ሰልፊ ክገልጹ ከለዉ፡ “ ምስ ህዝብን መንግስትን ክልል ኣምሓራ ሰለማውያን ኮይና፡ ንዝኽተልዎ መምርሕን ሕግን ተኸቲልና፡ ብሰላም ክንነብር ንደሊ ምዃና ንምፍላጥ`ዩ"ኢሎም።

ካብ መንጎ`ቶም ሰልፈኛታት ንድምጺ ኣመሪካ ዝተዛረቡ ነበርቲ ወሎን ከባቢኣን፡ ንተወላዶ ትግራይ ዝገበርዎ ድጋፍ ነድንቕ ኢሎም።

እቲ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ ግንባራት ቀጺሉ ከምዘሎ ምንጭታት ይሕብሩ`ለዉ።

XS
SM
MD
LG