ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ከተማ ዓዲ ግራት ዝርአ ገበን ክትራን ዝበዝሕ ዘሎ ብሰንኪ ምትእትታው አካላት ጸጥታ'ዩ ክብሉ ነበርቲ ገሊጾም


ከተማ ዓዲ ግራት
ከተማ ዓዲ ግራት

ኣብ ከተማ ዓዲ ግራት ፀገም ፀጥታ ዝኾነ ክትራን ዝገደደ ይገብሮ ዘሎ ኢድ ኣካላት ፀጥታ ስለዘለዎ ኢዩ ክብሉ ድምጺ ኣሜሪካ ዘዘራረቦም ነበርቲ እታ ከተማ ሓቢሮም።

ምምሕዳር እታ ከተማ ብወገኑ ነቲ ፀገም ንምፍታሕ መፅናዕቲ ብምክያድ እቲ ፀገም ብቀጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ተሳተፍቲ ነይሮም ዝበሎም 22 ኣመራርሓን ኣባላት ፖሊስ ስጉምቲ ከምዝወሰደ ይገልጽ።

ኣብ ክልል ትግራይ ከተማ ዓዲ ግራት ነባሪ ዝኾነ መሓሪ ገብረዮውሃንስ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ኣብታ ከተማ ናይ ክትራን ብፍላይ ፀልማት ጉልባብ ብምግባር ዝፍጸም ገበን ኣሎ ይብል። መሓሪ በዞም ኣካላት ጉዳኣት በፂሕዎ ገንዘቡን ንብረቱን እውን ከምተዘርፈ ይገልፅ።

ሲሳይ ገብረሂወት ዝተባህለ ካልእ ነባሪ እታ ከተማ ከምዝዛረቦ ድማ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር በዞም ከተርቲ ንብረቱን ገንዘቡን ካብ ምውሳድ ብተወሳኺ ኣብ ሕቑኡ ብዝበፀሖ ጉድኣት ሐዚ እውን ይፅገም ምህላዉ ይዛረብ። እዚ ፀገም ክጋደድ ዝገበሮ ድማ ኢድ ኣካላት ፀጥታ ስለዘሎዎ እዩ ይብል።

ሲሳይ ብተወሳኺ ብምኽንያት ፀገም ፀጥታ ኣብታ ከተማ ህይወት ሰብ ከምዝሓለፈ ሓበሬታ ኣለኒ ኢሉ ።

ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ወድብ ዓረና ትግራይ ኣይተ ዓምዶም ገብረስላሴ ኣብዚ ጉዳይ ጠሚቱ ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ "መበገሲ እቲ ፀገም እቶም መናእሰይ ስራሕ ስለ ዝሰኣኑ እዩ" ኢሎም።

እቲ ፀገም ኣብ ዓዲ ግራት ከተማ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ካልኦት ከተማታት ትግራይ እውን ብዝተጋደደ መልክዑ ምህላዉ ተዛሪቦም።

ከንቲባ ከተማ ዓዲ ግራት ኣይተ ገብረመድህን ስዩም ብወገኖም እቲ ፀገም ኣብቲ ከተማ ምህላዉ ተዛሪቦም። እቲ ፀገም ፀጥታ በነባሪነት ንምፍታሕ መፅናዕቲ ብምክያድ ኣብዚ ጉዳይ ብቐጥታ ይኹን ተዘዋዋሪም ኢድ ዝነበሮም 22 ኣመራርሓን ኣባላትን ፖሊስ ምምሕዳራውን ሕጋዊ ስጉምቲ ከምዝተወሰዶም ሓቢሮም።

ብተወሳኺ ኣብቲ ክትራን ዝተሳተፉ ብሕጊ ክሕተቱን ህዝቢ ድማ ክፈልጦም ይግበር አሎ ዝበሉ እቶም ከንቲባ ምስዚ ጉዳዩ ርክብ ዘለወን ተሽከርከርቲ እውን ተታሒዘን ኢሎም።

ኣብዚ ዓመት ብገበን ክትራን ህይወት ሰብ ሓሊፋ ዝብል ትኽክል ኣይኮነን ዝበሉ ኣይተ ገብረመድህን ቅድሚ 2 ዓመት ግና ህይወት ሰብ ሓሊፉ ነይሩ ኢሎም።

መብዛሕቲኦም ኣብቲ ክትራን ዝተሳተፉ ስራሕ ዘይብሎም መናእሰይ ዋላ ተኾኑ መበገሲ እቲ ፀገም ግና ስእነት ስራሕ እዩ ኢሎም ከምዘይኣምኑ ዝተዛረቡ ኣይተ ገብረመድህን እቲ ቀንዲ ፀገም ዘሎ ኣብ ኣተሓሳስባ እዩ ኢሎም።

ብመዳይ ምፍጣር ዕድል ስራሕ ምምሕዳር እታ ከተማ ኣብታ ከተማ ዘሎ ኣማራፂ ስራሕ መፅናዕቲ ኣካይዱ ምቹእ ኩነታት ምህላዉ ንምፍጣር ይሰርሕ ኣሎ ኢሎም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG