ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ከተማ ወልቂጤ ዝተኻየደ ስራሕ ደው ናይ ምባል ኣድማ ብዝተሓሓዝ ብዙሓት መንእሰያት ምእሳሮም ነበርቲ ገሊጾም


ኣብ ኢትዮጵያ ዞባ ጉራጌ ከተማ ወልቂጤ ብዓርቢ ኣብ ዝተገብረ ስራሕ ጠጠው ናይ ምባል ተቓውሞ ምኽንያት ብርክት ዝበሉ መናእሰይ ምእሳሮም ነበርቲ እቲ ከተማ ሓቢሮም።

ኣስታት 200 ዝበፅሑ መናእሰይ ምእሳሮም ዝሓበሩ ሓደ ወሃቢ ርእይቶ እቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከቡን ካብ ቤት ማእሰርቲ ዝወፁን መናእሰይ ማህረምቲ ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ሰብኣዊ መሰላቶም ዝጥሕሱ ተግባራት ከምዝተፈፀምዎም ሓቢሮም።

ኣብቲ ዞባ ዘሎ ክልል ናይ ምዃን ሕቶ ተተሓሒዙ ብፖሊስ ይድልዩ ምህላዎም ዝፈለጡ ሓደሓደ መናእሰይ ካብቲ ኸባቢ ምስዋሮም’ውን ተገሊፁ።

ነዚ ዝተባህለ ሓበሬታ ዘረጋግፅ ከምዘይብሉ ዝሓበረ ፖሊስ ደቡብ ተወሳኺ ምፅራይ ከካይድ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

XS
SM
MD
LG