ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ከተማ ካቡል ዘጋጠመ ነታጕ 19 ሰባት ሞይቶም


ኣብ ዋና ከተማ ኣፍጋኒስታን ካቡል ብሰንኪ ዘጋጠመ ብርቱዕ ነታጕ ብውሑድ 19 ሰባት ከምዝሞቱን 27 ሰባት ከምዘቁሰለን ተፈሊጡ።

ካብ’ቶም ዝሞቱ ገሊኤን ደቂ ኣንስትዮ እየን።

ሰበ ስልጣን ፖሊስን መሰኻኽርን እቲ ሓደጋ ኣብ ማእከል ቤት ትምህርቲ ካይ ከምዝተፈጸመ ሓቢሮም ኣለው።

ካብ’ቲ ሓደጋ ዘምለጡ ግዳያት ኣብ’ቲ ቤት ትምህርቲ ክሳብ 400 ቆልዑት ከምዝነበሩ ምሕባሮም ዝመጸና ዜና ኣረጋጊጹ።

ነቲ ሓደጋ ሓላፍነት ዝወሰደ አካል ክሳብ ሕጂ ኣይተረኽበን።

XS
SM
MD
LG