ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ከተማ ካቡል ብዝተኻየደ ርእሰ ቕትለታዊ መጥቓዕቲ 26 ሰባት ሞይቶም


ኣብ ርእሰ ከተማ ኣፍጋኒስታን ካቡል ብዝተኻየደ ክልተ ርእሰ ቕትለታዊ መጥቓዕቲ 26 ሰባት ክሞቱ ከለው 50 ካልኦት ድማ ቆሲሎም።

ዳዒሽ “ዓማቕ” ብዝተባህለ መሓውር ዜና ብዝመሓላለፎ መልእኽቲ ሓላፍነት’ቲ መጥቓዕቲ ወሲዱ’ሎ።

ንድሕነት ኣፍጋኒስታናዊያን ጋዜጠኛታት ዝሰርሕ ኮሚቴ ብዝሃቦ ሓበሬታ መሰረት ካብቶም ዝሞቱ ሰባት ትሽዓተ ካብቶም ዝቆሶሉ ሓሙሽተ ጋዜጠኛታት ምኳኖም ብምርግጋጽ፡ ነቲ መጥቓዕቲ ብትሪ ኮኒንዎ’ሎ።

ብመሰረት ሓበሬታ ሰበ ስልጣን’ታ ሃገርን ናይ ዓይኒ መሰኻክር እቲ መጥቓዕቲ ሶኑይ ንግሆ ብብዝሒ ሰባት ኣብ ዝንቀሳቀስሉ ሰዓታት ቦታ ዝተኻየደ ምኳኑ ይገልጹ።

ኣብ ከተማ ካቡል ብዝተኻየደ ርእሰ ቕትለታዊ መጥቓዕቲ 26 ሰባት ሞይቶም
please wait

No media source currently available

0:00 0:00:32 0:00

ነቲ ቀዳማይ መጥቓዕቲ ስዒቡ ጋዜጠኛታትን አባላት ዝተፈላለዩ መሓውራት ዜና ነቲ ፍጻሜ ሸፈነ ንምሃብ ኣብቲ ቦታ ኣብ ዝተአኸብሉ እዋን ምስኦም ብምምስሳል ካልኣይ ርእሰ ቕትለታዊ መጥቓዕቲ ምክያዱ ወሃቢ ቃል ፖሊስ ከተማ ካቡል ሓቢሩ’ሎ።

ኣዛዚ ሓይልታት ኣሜሪካን ኔቶን ኣብ ኣፍጋኒስታን ጀነራል ጆን ኒኮልሰን “እዚ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ኣፍጋኒስታን፡ንጹሃን ዜጋታትን ጋዜጠኛታትን ዝተፈጸመ ናይ ፈራሃት ርእሰ ቕትለታዊ መጥቓዕቲ ብትሪ ንኹንን” ክብል ርእይትኡ ሂቡ።

እዚ ከምዚ ኢሉ ኸሎ ሰዓታት ድሕሪ’ዚ መጥቓዕቲ ኮሽት ኣብ ዝተባህለ ቦታ ሓደ ዕጡቕ ንወኪል ጋዜጠኛታ ቢቢሲ ኣሕመድ ሻሕ ተኹሱ ምቕታሉ ተፈሊጡ’ሎ።

ኣብ ኣፍጋኒስታን ዝንቀሳቐስ ጣሊባን ግን ምስቲ ኣብ ከተማ ካቡል ኾነ ኮሽት ዝተኻየደ መጥቓዕቲ ምትሕሓዝ ከምዘይብሉ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ገሊጹ።

XS
SM
MD
LG