ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ከተማ ካርቱም ኣብ ዝተኻየደ ሰልፊ ሰለስተ ሰባት ቆሲሎም


ፖሊስ ሱዳን ከም መቐጸልታ’ቲ ኣብታ መላእ’ታ ሃገር ዝካየድ ዘሎ ተቓውሞ ትማሊ ሶሉስ ኣብ ዋና ከተማ ካርቱም ዝተኻየደ ሰልፊ ንምብታን ዘንብዕ ጋዝን ጥይት ንሰማይ ምትኳሶም ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ሓቢሩ።

ሮይተርስ ዘዘራረቦም ናይ ዓይኒ መሰኻክር ሰለስተ ሰባት ምቁሳሎም’ውን ሓቢሮም ኣለው።

እቶም ናይ ዓይኒ መሰካክር ብተወሳኺ ሓይልታት ጸጥታ ናብ ቤተ መንግስቲ ብሰልፊ ዝኸዱ ዝነበሩ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰልፈኛታት ብምዕጋት ሰልፈኛታት ንምብታን ዘንብዕ ጋዝን ጥይት ናብ ሰማይ ምትኳሶም ገሊጾም።

እቲ ተቓውሞ ብነጻ ናይ ሰብሞያ ማሕበር’ታ ሃገር ዝተጸወአ እኳ እንተኾነ ብዓበይቲ ተቓዋምቲ ናይ ፖለቲካ ፓርቲታት ኡማን ሃገራዊያን ዲሞክራት ከምዝድገፍ ተፈሊጡ’ሎ።

ኣዳለወቲ እቲ ሰልፊ ብወታሃደራዊ ዕልዋ ኣብ 1989 ናብ መዝነት ዝመጹ ፕረዚደንት በሽር ካብ ስልጣኖም ክወርዱ ዝጠልብ ፊርማ ንምቕራብ ናብ ቤተ መንግስቲ የምርሑ ከምዝነበሩ ተፈሊጡ’ሎ።ይኹን ደአ እምበር ነዚ ስዒቡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብታ ሃገር ዝረአ ዘሎ ናህሪ ዋጋታት ብምቓውም ሰልፊ ተቓውሞ ይካየዱ ኣለው።

እዚ ተቓውሞታት ፕረዚደንት ኣልበሽር ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ሃገር ምብጽሖም ስዒቡ የጋጥም ምህላው’ውን ይፍለጥ።

XS
SM
MD
LG