ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ከተማ ኪንሻሳ ብዘጋጠመ ውሕጅን ምህማም መሬትን 100 ሰባት ሞይቶም


ኣብ ደሞክራቲክ ሪፓብሊክ ኮንጎ ከተማ ኪንሻሳ ብሰንኪ ዘጋጠመ ከቢድ ውሕጅን ምህማም መሬትን ብውሕዱ 100 ሰባት ሞይቶም ካልኦት ግዳያት'ውን ምንዳይ ቀጺሉ`ሎ።

ኣብቲ ብውሕጅ ዝተጠቕዐ ከባቢታት ኪንሻሳ ኣስታት 12 ሚልየን ሰባት ከምዝነብሩን ተወሰኽቲ ሬሳታት ንምርካብ ወፍሪ የካይዱ ምህላዎም ቀዳማይ ሚንስተር ኮንጎ ያን ሚሸል ሳማ ሉከንደ ሓቢሩ።

ማማን ምበሉ ዝተባህለት ግዳይ ድማ ኩሉ ገዛውትና ዓንዩ፡ ኩሉ ዝነበረና ጠፊኡ፡ናብ እንኸዶ'ኳ ኣይንፈልጥን ትብል። ንሕና ብይወት ተሪፍና ካልኦት ከኣ ሞይቶም ትብል።

ቅድሚ ሰለስተ ዓመት'ውን ኣብ ኪንሻሳ ተመሳሳሊ ሓደጋ ውሕጅ ኣጋጢሙ ብውሕዱ 32 ሰባት ምሟቶም ይዝከር።

XS
SM
MD
LG