ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

 ኣብ ከተማ ኣምቦ ልዕሊ 500 ሰባት ምእሳሮም ነበርቲ ገሊጾም


ኣብ ክልል ኦሮምያ ዞባ ምዕራብ ሸዋ ከተማ ኣምቦ ኣብዚ እዋን’ዚ ልዕሊ 500 ሰባት ተአሲሮም ክብሉ ስሞም ከይጥቀስ ዝሓተቱ ነበርቲ ገሊጾም።

እቶም ነበርቲ ሰባት ምእሳሮምን ኣብ ልዕሊ ስድራ ቤቶም’ውን ጉድኣት ይበጽሕ ኣሎ ኢሎም።

ኣብ ኣምቦ ቤት ጽሕፈት ግንባር ናጽነት ኦሮሞ ጸሓፊ ዝኾኑ ኣቶ መአብዲስ ቅድሚ ሓሙሽተ መዓልታት ብሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ከምዝትታሕዙ ስሞም ክግለጽ ዘይደልዩ አባል ስድራ ቤቶም ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊጾም ኣለው።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ኣብ ከተማ ኣምቦ ልዕሊ 500 ሰባት ምእሳሮም ነበርቲ ገሊጾም
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:14 0:00

XS
SM
MD
LG