ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ከተማ አዳማ ዝርከብ መዕቆቢ ዝተመዛበሉ ዜጋታት ብዝተፈጸመ መጥቓዕቲ 1 ሰብ ሞይቱ፡30 ቆሲሎም


አዳማ ከተማ
አዳማ ከተማ

ትማሊ ሶኑይ ኣብ መንጎ ካብ ክልል ሶማሌ ተመዛቢሎም ኣብ ከተማ ኣዳማ ዘተዓቑቡ ነበርቲ እቲ ከባቢን ብዝተፈጥረ ግጭት ሓደ ሰብ ተቐቲሉ ኣስታት 30 ሰባት ምቑሳሎም ፖሊስ እታ ከተማ ኣረጋጊፁ።ብሰንኪ እቲ ግጭት ካብ ሶማሊያ ዝተመዛበሉ ዜጋታት ዝርከብሉ ግዚያዊ መዕቖቢ ተቓፂሉ’ሎ።

እቲ ግጭት ኣብቲ ከባቢ ብሰንኪ ዝካየድ ምኹዓት እምኒ ክልቲኦም ወገናት ይግብኣኒ ብዝብል ዘይምርድዳእ ከምዝተፈጥረ ይገልፁ።ቤተ ክርስቲያን ከምዝተቓፀለን ናይ እምነት ግጭት ከምዝነበረን ተገይሩ ዝተነዝሐ ናይ ሓሶት ወረ እቲ ግጭት ብዝኸፍአ ክገድድ ከምዝገበረ ፖሊስ ገሊፁ’ሎ።ወኪል ድምዚ ኣሜሪካ ካብቲ ቦታ ብምኻድ ዝተቓፀለ ቤተ ክርስቲያን ከምዘየለ ኣረጋጊፀ ኣለኹ ይብል።

እዚ ከምዚ ኢሉ ኸሎ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ይኽሰቱ ዘለው ዘይሕጋዊ ተግባራትን ስርዓት ኣልቦነትን ደው ክብል ጉባኤ ሃይማኖታዊ ትካላት ኢትዮጵያ ፀዊዑ።

ሸውዓተ መስረቲ ኣባላት ዝሓቖፈ እዚ ጉባኤ ብሓባር ንሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ኣብዝሃብዎ ቃል ‘’ኩሎም መራሕቲ ሃይማኖት ኣብታ ሃገር ይፍጠር ዘሎ ፀገም ብምውጋዝ እቲ ሕጊ ብዝፈቕዶ መንግስቲ ንልዕልነት ሕጊ ከኽብር ምሕታቶም ሓቢሮም።

ሚንስተር ድኤታ ጉዳያት ፌደራልን ልምዓት እንስሳት ብምርባሕ ዝመሓደሩን ኣቶ ኣወል ወግሪስ ቤት ፅሕፈቶም ነቲ ኩነታት ንምርግጋእ ምስ ትካላት ሃይማኖት ሓቢሩ ከምዝሰርሕ ገሊፆም ኣለው።

XS
SM
MD
LG