ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ከተማ አዲስ አበባ ብዝሃረመ ከቢድ ዝናብ ሸሞንተ ሰባት ሞይቶም


ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ በረድ ሓዊሱ ትማሊ ሶሉስ ዝሃረመ ዝናብ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት እታ ከተማ ኣብ ልዕሊ ህይወት ሰብን ንብረትን ጉድኣት ከምዝወረደ ኮሚሽን ስራሕ ኣመራርሓ ስግኣት ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ገሊፁ።

ኣብ ንፋስ ስልኪ ክፍለ ከተማ ላፍቶ መካኒሳ ካብ መንጎ ነበርቲ ቐፅሪ መካነ እየሱስ ቤተ ክርስቲያን ህይወት ሸሞንተ ሰባት ምጥፍኡ እቲ ኮሚሽን ሓቢሩ።

ናይቲ ቤተ ክርስቲያን ፕረዚደንት ቀሺ ዮናስ ይገዙ ኣብ ልዕሊ ዓሰርተ ሓሙሽተ መራሕቲ ስድራ እውን ጉድኣት ወሪዱ ኣሎ ኢሎም።

ኣብ ካልኦት ክፋላት እታ ከተማ ብሰንኪ እቲ ዝናብን ውሕጅን ዝወረደ ጉድኣት ንብረት ዛጊት ኣይተፈለጠን።ምኽትል ከንቲባ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ህይወቶም ንዝስኣኑ ሓዘንን ብምግላፅ ንዝተጎድኡ ንምጥያሽ ምምሕዳር እቲ ከተማ ከምዝሕግዝ ሓቢረን ኣለዋ።

XS
SM
MD
LG