ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ከተማ አሰላ ብዝተፈጥረ ግጭት 1 ሰብ ሞይቱ ልዕሊ 20 ቆሲሎም


ኣብ ክልል ኦሮሚያ ከተማ ኣሰላ ብዝተፈጥረ ግጭት ሓደ ሰብ ሞይቱ ካልኦት ልዕሊ 20 ሰባት ከምዝቖሰሉ ፖሊስ’ታ ከተማ ገሊፁ።መንቀሊ ናይቲ ግጭት ብመንግስቲ ፍቓድ ኣብ ዘይተውሃቦ ቦታ መስጊድ ንምስራሕ ፈተነ ኣብ ዝተገብረሉእዋን’ዩ ክብል ፖሊስ ወሲኹ አረዲኡ።

ሽሞም ከይግለፀሎም ዝሓተቱ ነባሪ ከተማ ኣሰላ ትማሊ ረቡዕ 30 ሚያዚያ 2011 ዓ.ም ዝተወሰኑ ሰባት ኣብታ ከተማ ኣብ ዝርከብ ክፉት ቦታ መስጊድ ንምስራሕ ሓፁር እናሰርሑ ዝርኣዩ ሰባት ክስራሕ የብሉን ብምባሎም ግጭት ተላዒሉ ይብል።

ሃይሉ ከቡ ዝተባህለ ነባሪ ብወገኑ እቲ ግጭትን ናዕብን ናብ ማእኸል እታ ከተማ ብምስፍሕፋሕ ናብ ጉጅልኣዊ ግጭት ከምዝተለወጠን ህንፃታት ናይ ውልቀሰባትን መንግስትን ብእምኒ ከምዝተወቕዑን ኣካላት ፀጥታ ብዝኸፈቱዎ ቶኹሲ ብዙሓት ሰባት ብጥይት ከምዝቖሰሉን ሓቢሮም።

ኣዛዚ ፖሊስ ከተማ ኣሰላ ኮማንደር ታደሰ ሽብሩ መበገሲ ናይቲ ግጭት ንብረትነቱ ናይ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ዝኾነን ንመስርሒ መስጊድ ተሓቲቱ ግን ፍቓድ ዘይተውሃቦን ቦታ መስጊድ ንምስራሕ ኣብ ዝተገብረ ፈተነ’ዩ ኢሎም።እቶም ኣዛዚ ፖሊስ በቲ ግጭት ህይወት ሓደ ሰብ ጠፊኡ፤ካልኦት ልዕሊ 20 ሰባት ድማ ጉድኣት ወሪዱዎም ኣሎ ኢሎም።

XS
SM
MD
LG