ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራትን ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት ኣብ ቃስር ቢን ጋሺር መዳጎኒ ማእከል ዝነበሩ 328 ስደተኛታት ናብ ዝሓሸ ውሕስነት ኣለዎ ዝበልዎ ካልእ መዳጎኒ ማእከል ዝሓለፈ ሰሙን ምግዓዞም ሓቢሮም።
እቶም ስደተኛታት ኣብ ከባቢ ትሪፖሊ ኣብ መንጎ ዕጡቓትን ሓይልታትን መንግስቲ ዝካየድ ኹናት ተቐርቂሮም ዝነበሩ ምኳኖም እቲ ትካል ስደተኛታት ሓቢሩ’ሎ።
ኣብ ዓለምለኸ ተሓላቒ ሰብኣዊ መስላት ኣምንስቲ ዳይሬክተር ጨንፈር ማእከላይ ምብራቕን ሰሜን ኣፍሪቃን መግደሊን ሙገራቢ “ብዘይኻ’ቲ ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ኣብ ልዕሊኦም ክፍጸም ዝጸንሓ ዓመጽ፡ ኹናት ንዝካየደሉ ቦታ ብዘለዎም ቅርበት ህይወቶም ኣብ ሓደጋ’ዩ ጸኒሑ። ብርግጽ ኣብ መላእ ሊብያ ውሕስነት ዘለዎ ቦታ ኣሎ ኢልና ኣይንኣምንን ካብ ሓደ መዳጎኒ ማእከል ናብ ካልእ ምግዕዓዝ መቐጸልታ’ቲ ዘይሕጋዊ ማእሰርቲን ንካልእ ዓመጽ ዘቓልዕን’ዩ” ትብል።
ንሰን ብተወሳኺ ኹናት ዝካየደሉ ከባቢ ከተማ ትሪፖሊ ካልኦት ሽዱሽተ መዳጎኒ ማእከላት ከምዘለው ይሕብራ።
ኣመሓዳሪ’ቲ እቶም ስደተኛታት ዝገዓዝሉ ማእከል ፈትሒ ኣልፋር “ ቕድሚ ክልተ መዓልታት 700 ስደተኛታት ካብ ቃሲር ቢን ጋሺር ናብዚ መጺኦም ኣቐዲሞም 150 ስደተኛታት ኣብቲ ማእከል ጸኒሖም’ዮም። እዚ ንቁጽሪ ኣብቲ ማእከል ዘለው ስደተኛታት ናብ 900 ክብ ኣቢልዎ’ዩ። እዚ ድማ ዓብይ ቁጽሪ’ዩ። ዓለምለኸ ትካላት ሓገዘን ከበርክታ ንጽውዕ” ኢሉ።
ብመሰረት ጸብጻብ ዓለምለኸ ውድብ ጥዕና ኣብ ሊብያ ዝካይድ ዘሎ ኹናት ክሳብ ሕጂ ዝተፈልጠ 270 ሰባት ክሞቱ ከለው 1,300 ምቁሳሎም ይሕብር።