ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ከተማ ሻንጋይ ሎሚ ሰኑይ ጥራይ 58 ሰባት ብቫይረስ ኮሮና ዝተታሕዙ ተመዝጊቦም


ካብ ዕፅዋ ወፃኢ ኣብ ዝርከብ ከባቢ ከተማ ሻንጋይ ቻይና ሎሚ ሰኑይ 58 ሓዱሽ መልከፍቲ ኮቪድ19 ከምዘጋጠመ ተፈሊጡ።

ብዙሓት ሰባት ድማ ትማሊ ሰንበት ዝቐረበ ሓዱሽ መረዳእታ ዘተባብዕ ገይሮም ርእዮምዎ ኣለው ኣለው።ትማሊ ሰንበት ቁጽሪ ዝሞቱ 32፣ዝተትሓዙ ድማ ምስ 6,804 ተመዝጊቡ'ሎ።

ገለ ምውራድ መልከፍቲ እንተሃለወ እውን ኣብ ገለ መንበሪ ከባቢታት ሻንጋይ ሎሚ ሰኑይ ሓፁራት ተቐሚጦም ኣለው።

25 ሚሊዮን ሰባት ኣብ ዝነብሩላ ከተማ ሻንጋይ ዝርግሓ ቫይረስኮሮና ንምክልኻል ዝተወስዱ ጽኑዕ ስጉምቲታት ተቓውሞ ኣስዒቡ'ሎ።ኣብ ከተማ ሻንጋይ ሰባት ንልዕሊ ሓደ ወርሒ ካብ ገዛውቶም ከይወፁ ተኸልኪሎም ኣለው።

XS
SM
MD
LG