ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ከተማ ሻሸመኔ ዝተፈጸመ ቅትለት 4 ሰባት ምእሳሮም ተገሊጹ


ምምሕዳር ክልል ኦሮምያን ኮሚሽን ፖሊስን ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ ከተማ ሻሸመኔ ቦምብ ሒዙ’ሎ ተባሂሉ ብዘስካሕክ ኣገባብ ዝሞተ ሰብ ዝምልከት ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ መንግስቲ’ቲ ክልል ጽኑዕ ምርመራ የካይድ ከምዘሎ ሓቢሮም።

መንግስቲ’ቲ ክልል ነቲ ዘይሰብኣዊ ተግባር ዝበሎ ፍጻሜ ዝተሰምዖ ከቢድ ሓዘን ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ኮሚኒኼሽን ዶ/ር ነገሬ ሌንጮ ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊጾም።

“ዝሞተ ወዲ ሰብ’ዩ ክቡር ዝኾነ ህይወት’ዩ ሓሊፉ ኣዝዩ ዘሰኻሕኽሕ ፍጻሜ ብዝኾነ ኩነታት’ዩ ተቐቲሉ ዓብይ ጓሂ’ዩ ተሰሚዑና። ነዚ ዝፈጸሙ ንምሓዝ ብዝተገብረ ጻዕሪ 4 ዝኾኑ ተአሲሮም አለው ዝሃደሙ ንምሓዝ ይሰርሕ’ሎ።”

ምሉእ ትሕ ዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ኣብ ከተማ ሻሸመኔ ዝተፈጸመ ቅትለት 4 ሰባት ምትሓዞም ተገሊጹ
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:36 0:00

XS
SM
MD
LG